ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርበባት ጸጥታ ሩስያ ንኒኵለራዊ ማእከል ኣመሪካን መጻረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብን ዒላማ ይገብሩ


ምስሊ ፋይል
ምስሊ ፋይል

ብመገዲ ስልኳ ኢንተርነት ኣቢሎም ንማእከል ኒኵለራዊ ኣጽዋር ኣመሪካን መጻረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብን ከዕንዉ ነዊሕ ዝሰርሑ ኣባላት ስለያ መንግስቲ ሩስያ፡ ብሰብ-መዚ ኣመሪካን ዓዲ እንግሊዝን ይኽሰሱ ኣለዉ።

ሰብ-መዚ ኣመሪካን ብሪጣንያን ነቶም ጣሕሰስቲ ኢሎም ዝጠርጠሩዎም ሩስያውያን ነቲ ተግባር ንዓመታት ክቕጽሉዎ ከም ዝጸንሑ ይኸሱ። ክፍሊ ገንዘብን ክፍሊ ፍትሒን ኣመሪካ፡ ብመገዲ እዚ ውሁድ ናይ ምጥሕሳስ መስርሕ፡ ካብ 135 ሃገራት: ኣሽሓት ኮምፕዩተራት ዒላማ ከም ዝዀና ይጠቕሱ። ከም ጸብጻብ ኣኽብርቲ ሕጊ ኣመሪካ እቲ ስራሕ ካብ 2012 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝምጠጥ’ዩ።

ወግዓዊ ክሲ ዝቐርብ ዘሎ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ካብ ትካላት ሩስያ ንዝመጽእ ሳይበራዊ መጥቃዕታት ኣመልኪቶም ድሕሪ ዝገበሩዎ መግለጺ’ዩ። ጆን ሁልኵይስት፡ ትካሉ ነቲ ኣብ ልዕሊ መጻረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ ዝተኻየደ ጥሕሰሳ ምጽራይ ዝገበረት’ያ። ከም ኣገላልጽኡ ድማ እቲ መስርሕ ፍርዲ ምጅማሩ ብቐንዱ ኣመሪካ ትከታተሎም ምህላዋ ንምርኣይ ሓጋዝ’ዩ ይብል።

ሓደ ካብቲ ቀሪቡ ዘሎ ክስታት ኣብ ሰነ 2021 ብኢቭገንይ ቪክትሮቪች ግላድኪ (Evgeny Viktorovich Gladkikh) ዝቐረበ’ዩ። እቲ ወዲ-36 ዓመት ሩስያዊ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ምስ እትነጥፍ ትካል ዝሰርሕ’ዩ። ብመሰረት ቀሪቡሉ ዘሎ ክሲ ድማ ካብ ግንቦት ክሳብ መስከረም 2017 ኣብ ዝነበረ ግዜ ንመጻረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ንምዕናው ትሪቶን ዝተባህለ መዕነዊ ቫይረስ ኮምፕዩተር ብምጥቃም መጥቃዕቲ ኣካዪዱ።

ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ዝዀነት ትካል ኣብ ገማግም ቀይሕ-ባሕሪ እትርከብ መጻረዪት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ’ያ።

ኣብቲ ብኽፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ቀሪቡ ዘሎ ካልእ ክሲ ድማ ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ስለያ ሩስያ ዝዀኑ ዜጋታት ንመርበብ መጻረዪ ነዳዲ፡ መስመር ጋዝ፡ ከምኡ’ውን ማእከል ኒክለራዊ ኣጽዋር ኣመሪካ ንምዕናው ዝተገበረ ተደጋጋሚ ፈተነ’ዩ። ከምቲ ክሲ ቀሪቡዎ ዘሎ፡ እቲ ናይ ስልኳን ምጥሕሳስን ፈተነታት ካብ 2012 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተኻየደ’ዩ።

ኣብ ዋሺግንተን ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ተሓቲቱ መልሲ ኣይሃበነ።

እቶም ብፈተነ ምጥሕሳስን ስልኳን ክሲ ተመስሪቱሎም ዘለዉ ሩስያዊያን ኣርባዕተ’ዮም። ዛጊት ግን ሓደ ካብኣቶም’ውን ይዅን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣይኣተዉን።

ኣብ ክፍሊ-ሃገር ካንሳስ ዝርከብ ማእከል ኒክለራዊ ምርምር ካብቶም ዒላማ ኰይኖም ዝነበሩ’ዮም። እንተዀነ ከምቲ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻባት፡ ኣብቲ ማእከል ዝወረደ ዕንወት ዛጊት የሎን።

ኣብ ልዕሊ ትካላት ሩስያ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ብመንግስታት ኣመሪካን ብሪጣንያን’ዩ። ሩስያ ነቶም ወሰንቲ ትካላት ትሕተ-ቅርጺ ከተዕኑ ምፍታና፡ ነዊሕ ዝተሰርሓሉ ውሁድ ዕዮ ምዃኑ ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያት ብሪጣንያ ሊዝ ትሩዝ ትዛረብ። ከም ኣገላልጻ እታ በዓልቲ ስልጣን፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ “ብዋጋ ዜጋታት ኵሉ እከይ ስራሕ ንምስራሕ ድሉው’ዩ።” “ዕላማ ፑቲን” ከኣ ትብል ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያት "ምድንጋርን ፍልልይን ንምፍጣር’ዩ።”

እቲ ፈተነታት ስልኵ ዓመታት ዝገበረን ኣብ መስርሕ ምርመራ ዝጸንሐን ኢዩ። ክፍሊ ፍትሒ ግን ነቲ ክሲ ሕጂ ወግዓዊ ክገብረሉ ዝደለየ ምኽንያት ከም ዘለዎ ይገልጽ። እቲ ክፍሊ ኣብ ዝገበሩዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ክሲ ሕጂ ወግዓዊ ክገብሩሉ ዝደለዩ ምኽንያታት ሩስያ ተመሳሳሊ ተግባር ክትቅጽል ከም እትኽእል ብምእንፋት’ዮም። ከም ሓበሬታ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ድማ ነቶም ጥርጡራት ሕጂ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ንምቕራቦም ዘሎ ተኽእሎ ውሑድ ደኣ ይዅን እምበር፡ ወግዓዊ ክሲ ምምስራት ግን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ነቲ ተግባር ድማ ኣመሪካ ብቐረባ ትከታተሎ ምህላዋ ንምርኣይን ምዃኑ ይጠቕሱ።

ክኢላታት ስልኳ ኮምፕዩተር ከም ዝገልጹዎ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብበይኖም ጣሕሰስቲ ኮምፕዩተር ዝግበር ፈተነታት ዝተፈልየ ተርእዮ ኣለዎ። ንሱ ድማ፡ ሓበሬታ ንምርካብ ወይ ድማ ኣፈራሪሕካ ገንዘብ ንምኽዕባት ዘይኰነስ ብቐንዱ ንምዕናው ዝዓለመ ምዃኑ ይጠቕሱ። ከም ኣብነት ናይዚ ንፍጹም ዕንወት ጥራይ ዝተበገሰ ዝብሉዎ ድማ ኣብ 2017 ንመጻረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈገብረ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ’ዩ። ክኢላታት ኣብ እዋኑ ከም ዝገለጹዎ እቲ ፈተነ ምሉእ ንምሉእ ንምዕናው ብዝብል ዕላማ ዝተገብረ’ዩ ነይሩ።

በቲ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፈተነታት ዝወረደ ጉድኣት ዛጊት ብምሉኡ ኣይተገልጸን። ካብ መንጎ ካልእ ግን ካብ ክፍሊ ኣቭየሽን ኣመሪካ ገለ ሓበሬታ ክወስዱ ከም ዝኸኣሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG