ዋሽንግተን —
መርመርቲ ኑክሌር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትካል ኑክሌራዊ ጸዓት ዩክሬን ዛፖርዝዚያ ሎሚ ሓሙስ ስርሖም ክጅምሩ ትፅቢት ይግበር።እቲ ጉጅለ መርመርቲ ኣብቲ ከባቢ ውግእ ይካየድን ዓለምለኸ ስኽፍታታት እናወሰኽ ይኸይድ ኣብዘለሉ ሕጂ እዋን ንጉዳያት ድሕነት ናይቲ ትካል ክግምግሙ እዮም።
ዳይሬክተር ዓለምለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚካዊ ፀዓት ራፍኤል ግሮሲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ‘’ሎሚ ንጉሆ ሓዊሱ ኣብ ጥቓ እቲ ማእኸል መመንጨዊ ሓይሊ ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳት ወሲኾም ኣለው" ኢሎም።
ሩሲያ ዩክሬን ነቲ ትካል ንምቁፅፃር ሓደ መስርዕ ወታሃደራት ልኢኻ ክትብል ክትከስስ ከላ ዩክሬን ብወገና ሓይልታት ሩሲያ እቶም መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት ንዝጉዓዝሉ መንገዲ ብከቢድ ብረት ደብዲባ ክትብል ከሲሳ።
ግሮሲ ጉጅልኦም ንሒደት መዓማዕልታት ዝጸንሕ ፈላማይ ስራሕ ከምእተካይድን ብቀዋሚነት ሃለዋቶም ንምርግጋፅ ተስፋ ከምዘለዎምን ገሊፆም።
ሓላፊ ጉዳያት ፖሊሲ ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ሩሲያ እቲ ኑኩሌራዊ ሓይሊ ካብ ወታሃደራት ነፃ ክትገብሮ ትማሊ ረቡዕ ፃዊዒቶም ኣሐዲሶም ኣለው።
ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ብርጌደር ጀነራል ፓት ራይደር ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ምኻዱ ፅቡቕ ዜና ክብሉ ብምግላፅ ሩሲያ እቲ ጉጅለ ስርሑ ክሰርሕ ክትፈቕደሎም ፀዊዖም።