ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ንምዝገባ ጥሕሰታት ህዝባዊ ጻውዒት የቕርብ


መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጎንጺ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብዅላቶም ኣካላት ካብ 3 ሕዳር 2020 ንደሓር ተፈጺሞም ንዝተባህሉ ጥሕሰታት መረዳእታ ዘለዎም ዜጋታት ናብቲ ኮሚሽን ከቕርቡ ምልክታ ኣውጺኡ።

እቲ መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ መጸዋዕታ፡ ዜጋታት ወይ ጥርኑፋት ጉጅለታት ንዓለማዊን ሃገራዊን ስምምዓት ጥሒሶም ንዝበሎም ኣካላት ምስናይ መረዳእታታቱ ክሳብ 30 ሰነ 2023 ናብቲ ኮሚሽን ክልእኩ ኣዘኻኺሩ። ውሕስነት ኣመልከትቲ ሕሉውን ንደገ ከም ዘይውጽእን ዘመልከተ ኮሚሽን፡ ግዱሳት ነቲ ዝመስከሩዎ ጥሕሰት ውልቀ-ሰባት ወይ ጕጅለታት ብቛንቋታት እንግሊዘኛ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓራኛን ኣፋን ኦሮሞ ከቕርቡዎ ከም ዝኽእሉ ጠቒሱ ኣሎ።

ጻውዒት እቲ ኮሚሽን መንነትን እቶም ግፍዒ ፈጺሞም ንዝተባህሉ ዜጋታት ብፍሉይ ከቕርቡ ዝሕብር ኰይኑ፡ ድሕሪኡ በቲ ኮሚሽን ዘድሊ ምጽራይን ቀጻሊ መስርሕን ከም ዝካየሉ ኣመልኪቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG