ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርመርቲ ኣቪየሽን ስባር ነፋሪት ዘደልድል አካል ዝወደቐት ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣብ ዘይልሙድ ቦታ ምርኻቦም ገሊጾም


መርመርቲ ኣቪየሽን ዝተወሰነ ስባር ሚዛን ናይታ ነፋሪት ክድልድል ዝገብር ኣካል (stabilizer) ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘይልሙድ ቦታ ረኺቦም።

ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝፈልጡ ምንጭታት ከምዝገለፁዎ ናይቲ ስቴብላይዘር ቦታ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተሓምሸሸት ጀት ላየንር ኤር ኢንዶኖዥያ ዝመሳሰል እዩ ይብሉ።

ብብላክ ቦክስ ዝፍለጥ መአከቢ ሓበሬታ ናይ በረራ ዳታን መቕረፂ ድምፅን ናይታ ነፋሪት ንምርመራ ናብ ፈረንሳይ ተላኢኹ’ሎ።

ብሳተላይት ዝተመዝገበ ጭብጥታት፣መረዳእታታ ወይ ሓቅታት ከምዝሕብሮ በረራ ቁፅሪ 302 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን በረራ ቁፅሪ 610 ላየን ኤየርን ናይ ብራኸ ምቅይያር ማለት እውን ንላዕልን ታሕትን ይብላ ከምዝነበራን ኣብረርቲ ናይተን ነፈርቲ ንነፈርቶም ክቆፃፀሩ ይቃለሱ ከምዝነበሩን ዝሕብር እዩ።ክልቲኦም ፓይለታት ናብዝተበገስሉ መዕረፎ ነፈርቲ ንምምላስ ፍቓድ ሓቲቶም ነይሮም።

ኣሜሪካን ካልኦት ልዕሊ 30 ሃገራትን ድሕሪ ኩሎም 157 ተሳፈርቲ ዝሞትሉ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኢትዮጵያ ንቦይንግ 737 ማክስ 8 ነፈርተን ከይበራ ኣጊደን ኣለዋ።ኣብ ዝሓለፈ 29 ጥቅምቲ 2018 እውን ኣብ ኢንዶኖዢያ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኩሎም 189 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ሞይቶም እዮም።

ቦይንግ ናይ ኣስታት 5,000 ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ ካብ ዓደግቲ ትእዛዝ ተቐቢሉ ነይሩ።እቲ ኩባኒያ ኣብ ቅድሚኡ ፋይናንሳያዊ ፀገም ከጋጥሞ ይኽእል እዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣለው።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ናይ ኣሜሪካ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ዘሕዝን ምሕምሻሽ ቁፅሪ በረራ 302 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ከምዘዘራረቡዎም ካብ ዋይት ሃውስ ዝበፅሐና መግለፂ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንስድራን ፈተውን ኣብቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሸሞንተ ኣሜሪካዊያን ሓዘኖም ዝገለጹ ክኾኑ ከለው ፕረዚዳንት ትራምፕ ብወገኖም ነቲ ምርመራ ምሕጋዞምን ኣመስጊኖምዎም።

ፕረዚዳንት ትራምፕ ንዝጠፍአ ህይወት ሓዘኖም ብምግላፅ ኣሜሪካ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዊሕ ዝፀንሐ ምሕዝነት ንምቕፃል ዘለዋ ድልውነት ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG