ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርመርቲ ሕ/ሃ ኩሉ ሓቖፍ ቤት ፍርዲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ክምስረት ይጠልቡ


ፋይል
ፋይል

ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ አካል ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዘጋጠመ ኣሰቃቂ ገበን ናይ ፍርዲ ንምቕራብን ንግዳያት ፍትሒ ንምርኻብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ንኩሉ ዝሓቑፍ ቤት ፍርዲ ኣብታ ሃገር ክዳልው ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ደቡብ ሱዳን ጸብጻቡ ትማሊ ኣብ ዝተጋብኣ ዋዕላ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምቕራቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት መብዛሕትኦም እቶም ዝተመዝገቡ ፍጻመታት ምስ ናይ ኹናት ገበንን ገበን አንጻር ሰብኣዊነትን ዝወዳደሩ’ዮም ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣደ መንበር’ቲ ኮሚሽን ያስሙን ሶካ 25 ሚእታዊት ዝቐረበ ጸብጻብ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ግጭት ብዝተኣሳሰር ዝተፈጸሙ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመን ህጻናትን ዝተፈጸመ ምዃኑ የረድእ ኢለን።

“እዞም ተጠቂሶም ዘለው ፍጻመታት አጋጣሚ ዝተፈጸሙ ጾታዊ ዓመጽ ኣይኮኑን። ሰፊሕ ዝርገሓ ዘለዎም ዝተወደቡ ገለ ካብ መለለይ ባህርያት ግጭት ደቡብ ሱዳን እዮም። ምግሳስን ጾታዊ ዓመጽን ፍርሒን ስቅያት ኣብቲ ሰላማዊ ህዝቢ ንምፍጣር ካብ ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ ናይ ኹናት ታክቲክ እዮም።”

ንሰን ብተወሳኺ ማንም ውሕስነት የብሉን። ደቂ ተባዕትዮ ፡ ዓበይቲ ሽማግለታት ኾነ ናይ አካል ጉዱኣት። ተዋጋእቲ ወገናት ጾታዊ ዓመጽ ነቲ ህዝቢ ሱዳን ሒዝዎ ዝነበረ ማሕበራዊ ልምዲ ኾነ ኢልኻ ንምፍራስ ይጥቐምሉ ከምዝነበረ ኣደ መንበር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ያስሚን ሶኮ የረድኣ።

ናብቲ ኮሚሽን ዝቐረበ ሪፖርት ብሃውሪ ማእሰርቲ፡ስቅያት፡ ግዱድ ሃለዋት ምጥፋእ ዜጋታት ይውስኽ ምህላው ይሕብር። ብተወሳኺ ሰባት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ’ታ ሃገር ብኣሰቃቂ ኩነታት ተታሒዞም ከምዘለው ይጠቕስ። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዘጋጥሙ ጭካነ ዝተመልኦ ኣተሓሕዛ፡ስቅያትን ካልኦት ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ሕጽረት መግቢን ብዙሓት ከምዝሞቱ እቲ ሪፖርት ይገልጽ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ መወዳእቲ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬርን መራሒ ተቓወምቲ ሪክ ማቻር ነዚ ኣሰቃቂ ገበን ዝፈጸሙ ናብ ፍርዲ ምቕራብ ሓላፍነቶም ምዃኑ ከረጋግጹ ኣለዎም ኢሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG