መራኸቢ-ጽርግያታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሕጋዊ ኣገባብ ተኸቲሉ ዳግም ክኽፈት`ዩ ክብሉ ምስ`ቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ኤርትራ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።
እዚ ዝስማዕ ዘሎ፡ ከይተዓጽወት ተሪፋ ዝነበረት መስመር ቡሬ-ደባይሲማ ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ምዕጻዋ`ዩ። ሓደ በዓል-ስልጣን ክልል ትግራይ ድማ፡ ስለምንታይ ተዓጽዩ ኢልና ንፈደራል መንግስቲ ሓቲትና ኣለና ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ቅድሚ ምዕጻዉ ፡ በቲ መስመር ናብ ኤርትራ እኽልን ፊኖን ከይኣቱ ይኽልከል ኔሩ ዝብል ካብ ወገን ኤርትራ ዝመጸ ሓበረታ ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይ ኣሉታ ሂቦምሉ ኣለዉ።
ብዛዕባ ጉዳይ ምዕጻው ዶባት ዝምልከት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ወኪልና ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።እንተኾነ ግን ካብ ገለ ምስ`ቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ግን ስሞም ክጥቀሱ ዘይደለዩ ሰባት ዝሓበርዎ ተመርኩሱ እዚ ዝስዕብ ይብል፡
ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ስምምዕ፣ብሰናይ ድሌት ናይ ክልቲኤን ሃገራት ብዘይ ዝኾነ ወግዓዊ ስምምዕ፣ እቶም ዶባት ብግዚያዊነት ተኸፈቶም ናይ ህዝቢ ንህዝብን ናይ ንግድን ምልውዋጥን ምንቅስቓሳትን ክካየድ ከምዝጸንሐ ፣እንተኾነ ግን ነቲ ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ሕጋውን ወግዓውን ብዝኾነ መንገዲ ንምስራሕ ፣ብክልቲኦም ወገናት ዝተጀመረ ናይ ንግድን ጉምሩኽን ምስኡ ዝተሓሓዙ ጉዳያትን ፣ ስምምዓት ክሳብ ዝግበር እቶም ዶባት ብግዚያዊነት ከምዝተዓጸዉ ይሕብር። ኣስዒቡ ከምዝፍለጥ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ኣብ ዝተኸፍተሉ እዋን ፣ናይ ንግድን ጉምሩኽን ጉዳይ ምስ ተወድአ እቶም ተዓጽዮም ዘለዉ ዶባት ከምዝኽፈቱ ምሕባሩ ይዝከር። ስለዚ እቶም ዶባት ክሳብ ስምምዓት ዝግበሩ፣ተዓጽዮም ከምዝጸንሑ'ዩ እቲ ዘይወግዓዊ ሓበሬታ ዘመልክት ይብል ወኪልና ብርሃነ በርሀ ካብ ኣስመራ።
ካብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ`ውን ኣይተዓወተን፡ ነገር ግን፡ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ሕወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ጉዳይ ንፈደራል መንግስቲ ዝምልከት `ዩ ሓቲትና ኣለና ይብል፡ “ ንሕና ከም ሰብና እቲ ዶብ ተዓጽዩ ክብሃል ንሰምዕ ኣለና። እቲ ጉዳይ ናይ ፈደራል መንግስቲ ጉዳይ`ዩ። ስለምንታይ ተዓጽዩ ኢልና ንፈደራል መንግስቲ ንሓትት`ምበር፡ ስለምንታይ ተዓጽዩ ኢልና ንመንግስቲ ኤርትራ ንብሎ የለን።”
ኣብ ዞባ ደቡብ ኤርትራ፡ ሓላፊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኣቶ ግርማይ ገብሩ ኣብ ናይ ወልቁ ፈይስቡክ ኣብ ዝጠቀዖ ሓበሬታ፡ መስመር ኦምሓጀር-ሑመራ ቅድሚ ምዕጻዉ፡ ካብ ወገን ትግራይ ዘለዉ ሓለፍቲ እኽልን ፊኖን ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ክኽልክሉ ጸኒሖም`ዩም ዝብል ጽሒፉ ኔሩ።
ነዚ ካብ ክልል ትግራይ ምላሽ ንምርካብ ብወኪልና ጌርና ኣብ ዝሓተትናሉ እዋን ድማ፡ ኣማኻሪ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ጀጃው ደሞዝ ብስልኪ ሓቲተዮም "ጌጋ ሓበሬታ" እዩ :: ኩሎም ሸቐጣት ብዘይካ ብድጎማ መንግስቲ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣትዉ (ነዳድን ዘይትን) ዝኾነ ሸቐጥ ኣይከልከልናን ኢሎምኒ ዝብል መልሲ ልኢኹልና`ሎ።
መጀመርያ ዝተዓጽወ መስመር ዛላምበሳ-ሰርሓ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ኣብ ዝተዓጸወሉ እዋን፡ ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ መስመር ዝተዓጽወ እቲ ርክብ ሕጋዊ መስመር ንምትሓዝ`ዩ ዝብል መልሲ ካብ ወገን ኤርትራ ተዋሂቡና`ዩ ኢሉ ኔሩ`ዩ።