ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽብሉ ሰልፊ ፍንጀራ አጋጢሙ


ሓድሽ ዝተመዘዙ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ዝተረኽብሉ ቀዳም ኣብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ስልፊ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ክልተ ሰባት ሞይቶም፡ ካልኦት 150 ድማ ቆሲሎም።

ገለ ሰዓታት ድሒሩ ካብ ዋና ከተማ አዲስ አበባ 4,500 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ትርከብ ከተማ ቡላዋዮ ዚምባብወ ድማ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ኢመርሰን ሙናንጋግወ ዝተረኽብሉ ሰልፊ ካልእ ፍንጀራ አጋጢሙ። ፕረዚደንት ሙናንጋግወ ጉድኣት እንተዘይበጽሖም በዓልቲ ቤት ምክትል ፕረዚደንት ኮንስታንቲኖ ቺወንጋ ዝርከብዎም 49 ሰባት ግን ጉድኣት ምብጽሑ ተሓቢሩ’ሎ።

መራሕቲ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽብሉ ሰልፊ ፍንጀራ አጋጢሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:41 0:00

ክልቲኦም ኢትዮጵያን ዚምባብወን ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፍሉይ ለውጢ ፖለቲካ ዝተራእየለን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ሰፊሕ ተቓውሞ ስዒቡ ቀዳማይ ሚንስትር’ታ ሃገር ብፍቓዶም ካብ መዝነቶም ዝወረድሉ፡ ሓድሽ ዝተመዘዙ ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ድማ ብዙሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍታሕ፡ ኣብታ ሃገር ንካልኣይ ጊዜ ዝተአወጀ ህጹጽ እዋን ዘልዓልሉን ምስ ኤርትራ ንኣስታት 16 ዓመታት ኣብ ኣይ ሰላም ኣይ ኹናት ዝጸንሓ ኩነታት ብዝምልከት ንስምምዕ አልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ምሉእ ክምዝተገብሩ ውሳነ ዘሕለፍሉን ካልኦት ለውጢታት ዘተአታትው መራሒ እዮም።

ብተመሳሳሊ ናይ ዚምባብወ ፕረዚደንት ኢመርሰን ሙናንጋግወ ዋላ’ኻ ብዕድመ ዝደፍኡን ብሰላማዊ ወታሃደራዊ ዕልዋ ናብ መሪሕነት ዝመጹ መራሒ እንተኾኑ ምስቶም ንኣስታት 40 ዓመታት ንዝምባብወ ዝመርሑ ሮበርት ሙጋበ ግን ከምዘይመሳሰሉ ብዙሓት ይገልጹ። ገለ ካብቲ ንሶም ዘተአታትውዎ ለውጢ ኣብታ ሃገር ኣብ ቀረባ ኣብ ዝኻየድ ምርጫ ተቓወምቲ ፓርቲታት ብነጻ ወፍሪ ከካይዱ፡ ፓርላማ ብልሽውና ኣብ ምቅላስ ዘካይዶ ንጥፈታትን ኣብ ወጻኢ ወፍሪ ዝምልከት መንግስቲ ዘካይዶ ምቁጽጻር ዝአመሰሉ ይርኸብዎም።

እንተኾነ እዚ ብቐዳም ኣብ ክልቲኣን ሃገራት ዘጋጠመ ፍንጀራ ነቲ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ፖለቲካዊ ለውጢ እዘን ሃገራት ኣፍሪቃ ከየጸልምት ስግኣቶም ዝገልጹ ወገናት’ውን ኣይተሳእኑን።

XS
SM
MD
LG