ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኬንያ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ አካላት ከምዝሃድኑ ቃል ይኣትው


ፕረዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ሆቴል ብኣል-ሸባብ ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ ኣብቂዑ’ሎ ኣዊጆም።ቀይሕ መስቀል ኬንያ ሎሚ ረቡዕ ዓሰርተታት ሰባት ዛጊት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ገሊፁ’ሎ።

ፕረዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ በቲ መጥቓዕቲ 14 ሰባት ከምዝሞቱ ብምርግጋፅ መንግስቶም ኣብ መሬት ኬንያ ንዝርከቡ ግብረሽበራዊያን ክንሃድኖም ኢና ክብሉ ኣጠቂቖም።

ኣብ ዋና ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ሆቴል Dusti D2 መጥቓዕቲ ምስተፈፀመ ድሕሪ ስዓታት ፕረዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ንህዝቦም ከምዚ ኢሎም።

“ኣብ Dusit ህንፃ ይካየድ ዝነበረ ስርሒት ተወዲኡ’ሎ።ኩሎም ግብረሽበራዊን ተደምሲሶም ኣለው።ኣብዚ ስዓት እዚ 14 ንፁሃት ሰባት ኣብ ኢድ እዞም ቐተልቲ፣ግብረሽበራዊያን ህይወቶም ስኢኖም ኣለው፤ካልኦት እውን ቆሲሎም ኣለው።”

እቶም ፕረዚዳንት ሓይልታት ፀጥታ ንኩሎም ኣርባዕተ ግብረሽበራዊያን ከምዝቐተሉዎምን 700 ሰባት ከምዝድሓኑን ገሊፆም።

ስድራ ግዳያት ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተፈፀሞ ቦታ ሬሳ ናይ ስድርኦም ንምፍላይ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይርኣዩ ።

ኣብ ሶማሊያ ዝንቀሳቐስ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ሓላፍነት’ቲ መጥቓዕቲ ወሲዱ’ሎ።

ኬንያ ንመንግስቲ ሞቓድሾ ይድግፍ ኣሎ ብዝብል ኣል-ሸባብ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኬንያ መጥቓዕታት ፈፂሙ ምንባሩ’ውን ይዝከር።

እቲ እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ኣብ 2013 ኣብ ናይሮቢ ንዝርከብ ሓደ ዓብይ ናይ ዕዳጋ መደብር ብምጥቓዕ ን67 ሰባት ምሟቶም ይፍለጥ።

ሓደ በዓል ስልጣን ቀይሕ መስቀል ኬንያ ኣብቲ ናይ ትማሊ መጥቓዕቲ 18 ሰባት ከምዝቖሰሉን ኣስታት 700 ሰባት ካብቲ ህንፃ ከምዝወፁን ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም።

እቲ መጥቓዕቲ ቦምብ ብምትዃስ እዩ ጀሚሩ።ቀፂሉ ፖሊስ ነቲ ህንፃ ንምውሓስ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ንስዓታት ዝፀንሐ ቶኽሲ ነይሩ።

መራሒ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ እውን ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ሂቦም ኣለው።

መብዛሕቲኦም ዝሞቱ ዜጋታት ኬንያ እዮም።ሓደ ኣሜሪካዊን ሓደ ኢንግሊዛውን ኣብቲ መጥቓዕቲ ከምዝሞቱ ክልቲኦም ወገናት ኣረጋጊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መራሕቲ ኬንያ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ አካላት ከምዝሃድኑ ቃል ይኣትው
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:08 0:00



XS
SM
MD
LG