ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልን ንሱሉሳዊ ኣኼባ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም


ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወደብ ዓሰብን ባጽዕን ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣስመራ ኣትዮም ኣለው።

ንሶም መዓርፎ ነፈርቲ ወደብ ዓሰብ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዝተቐበልዎም ተፈሊጡ’ሎ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወደብ ዓሰብን ካብቲ ወደብ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ 71 ኪ.ሜ ርሕቐት ንዘለው ጽርግያ ቡሬ ድሕሪ ምዕዛብ ናብ ወደብ ባጽዕ ብምምራሕ ናይ ኢትዮጵያ መርከብ ኣብ ቢሻ ዝፈረየ ማዕድን ዚንክ ክትጽዕን ከላ ምዕዛቦም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

ዑደት ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:48 0:00

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ናይ ወደብ ኣገልግሎትን ትሕቲ ቅርጺን ንምምሕያሽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ብምምጓስ ክልቲኦም ወገናት ንነጥብታት ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ንምትግባር ዝካየድ ጻዕሪን ምዕባለን ዘርእይ እዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልን ዝኻየድ ሱሉሳዊ ርኽብ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣስመራ ምእታዎምን ንሶም ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝ ኣተውሉ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ከምዝተቐበልዎም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ ሓቢሩ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መራሕቲ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልን ንሱሉሳዊ ኣኼባ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:51 0:00

XS
SM
MD
LG