ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ይዝትዩ


ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ካይሮ ግብጺ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ከም ዝተራኸበን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣተኩሮም ከምዝዘተዩን ካብ ካይሮን ኣስመራን ዝተረኽቡ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ሻቕለቶም ከምዝገለጹን ህዝቢ ሱዳንን ተሓባበርትን፡ እቲ እዋን ምስግጋር ዝሓቶ ነገር ብሓላፍነታዊ መንገዲ ክግንዘቡን፡ ግዳማዊ ምትእትታው ከወግዱ ምጽውዖም መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባያት ጠቒሳ።

ኣገልግሎት ዜና ማእከላይ ምብራቕ (መና) ብወገኑ፡ ኤርትራን ግብጽን ልምዓታዊ ምትሕብባረን ከበርኻን፡ ኣብ ጉዳያት ሱዳን፡ ሶማል፡ ጉዳያት ቀይሕ ባሕርን ፈለግ ኒልን ብምውህሃድ ክሰርሓን ምስምምዐን ሓቢሩ`ሎ።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG