ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሞም


መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ኹናት ብምዝዛም ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሞም።

ሰበ ስልጣን ክልቲኦም ሃገራት ብዛዕባ'ቲ ስምምዕ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን፡ እንተኾነ እቲ ስምምዕ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተበጽሓ ስምምዕ ሰላም ዘሐይል'ዩ ክብሉ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዓብደል አል ጁቤር ምሕባሮም AFP ገሊጹ'ሎ።

ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማንን ወዶም ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ነቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈረመ ስምምዕ ምትእንጋዶም ተገሊጹ’ሎ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:40 0:00

ጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምፍርራም ድሕሪ ምርኻብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ " ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነፍስ ዘሎ ተስፋ ሰላም መርኣያ እዩ" ድሕሪ ምባል ንመራሕቲ ክልቲኦም ሃገራትን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣመስጊኖም።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ኹናት ኣብ ወርሒ ሓምለ ብዝተፈረመ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምትሕብባርን ምብቕዑ ድሕሪ ምሕባሩ መስመር ቴሌፎን፡ መንገዲ ኣየር ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መጉዓዝያ ምድሪ ንምጅማር ዶብ ክልቲኣን ሃገራት ዳግማይ ምክፋቱ ይፍለጥ።

መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ብተወሳኺ ትማሊ ሰንበት ዝለዓለ ሽልማት ስዑዲ ዓረብ ካብ ንጉስ ሳልማን ተዋሂብዎም ኣሎ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተራኸቡ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዓብደል ኣል ጁቤር ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።

ሚንስተር ቁጠባን ፋይናንስ ጅቡቲ ኢልያደወላሕ ብወገኖም ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንሰላም፡ምርግጋእንን ምዕባለን ዘሰጋገር ፍጻሜ ክብሉ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG