ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኣባል ውድባት ኢህወዴግን ኣጋር ውድባትን ስምምዕ ውህደት ተፈራሪሞም


መራሕቲ ኣባል ውድባት ኢህወዴግን ኣጋር ውድባትን ትማሊ ሰንበት ስምምዕ ተፈራሪሞም።ብዘይካ ናይ ክልል ትግራይ መራሒ ፓርቲ ህውሓት፣ናይ ኩለን ክልላት መራሕቲ ፓርቲታት ነቲ ስምምዕ ፈሪሞም ኣለው።

ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ መራሕቲ ሸሞንተ ፓርታት ንዝፈረሙዎ ሰነድ ንህዝቢ ወግዓዊ ገይሮም ኣለው።

ኣብቲ ስነስዓት መደረ ዘስምዑ ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ‘ንፅባሕ ንጠራጠር እንተድኣ ኮይንና እቲ ለይቲ እውን ኣይወግሕን’ ኢሎም።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ወሲኾም ብዙሓት ንፓርቲ ብልፅግና ዝፀልኡዎ ንስርቂ ስለዝፅየፍ እዩ እውን ኢሎም ።

“መብዛሕቲኦም ንብልጽግና ዝቃወምዎን ዝፀልኡዎን ብግልፂ ቋንቋ ሌብነት ፀያፍ እዩ፤ዘይሰርሕ፣ዘይተግህ፣ሰነፍ ምሳና ክቕፅል ኣይክእልን ዝብል ብፅሑፍ ዝተቐመጡ ሓሳባትና ንሰነፋት ዘፍርሕን ዘባህርርን እንተኾነ እውን ብምትጋህ፣ብምስራሕ ክዓብዩ ንዝደልዩ ግን ተስፋ ዝህብ ውድብ እዩ።”

ኣብቲ ስነስርዓት ፊርማ ዘይተረኸቡ ኣቦ መንበር ገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ይካየድ ዘሎ ውህደት ዘይኮነስ ምስረታ ሓዱሽ ፓርቲ እዩ፤እቲ መስርሕ እውን ሕጋዊ ኣይኮነን ምባሎም ይዝከር።

ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ምኽትል ኣቦ ወንበር ኣቶ ለማ መገርሳ’ውን ነቲ ውህደት ከምዘይቕበልዎ ሓቢሮም ኣለው።ንሶም ”እቲ ውህደት ጌጋ እዩ፤ትኽክል እንተዝኸውን እውን እዋኑ ሕጂ ኣይኮነን” ኢሎም።ንናይ ምድማር ፍልስፍና ከምይዘይቕበሉዎ ዝገለፁ ኣቶ ለማ መንግስታዊ ስልጣኖም ብምሓዝ ንልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምምራሕ ሎሚ ሶኑይ ዋሽንግተን ኣቲዮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG