ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ናይ ጽዕነት መካይን መስመር ጅቡቲ-ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ የጋጥሞም ከምዘሎ ይገልጹ


ፋይል
ፋይል

ካብ ጂቡቲ ናብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ዝመላለሳ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን፣ መጥቃዕቲ የጋጥም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ክልተ ዘወርቲ መካይንን ሓንቲ በዓል ቤተን ዝሞተን ወላዲት ካብ ጂቡቲ ብክልላት ዓፋርን ሶማሌን ኣቢሎም ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝንቀሳቀሱ መካይን፣ ንመጥቓዕቲ ይቃልዑ ከምዘለው ገሊጾም: ቅትለት፣ ኣካላዊ ጉድኣትን ዘረፋን የጋጥም ኣሎ’ውን ይብሉ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ፣ ሓሙሽተ መራሕቲ መካይን ብጥይት ከምዝተቀትሉ፣ ሰለስተ ካልኦት ድማ ከምዝቆሰሉ፣ ማሕበር ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ኢትዮጵያ ገሊጹ ኣሎ።

ሚንስትር ሎጂስቲክስ መጓዓዝያ’ታ ሃገር ምስ’ቶም ወነንቲን መሻርኽቲ እተን መካይንን ኣብ ዘካየዶ ልዝብ "ናይቶም መራሕቲ መካይን ቅሬታ፣ ግቡእ እዩ። ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ድማ ክንዓዪ ኢና" ከምዝበለ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ዝላኣኾ ዜና ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብሓሙስ ኣስታት 30 ዝኾኑ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ዝህቡ ማሕበራት: መራሕቲ መካይን: ብወለንታ ኣብ ኣገልግሎት ምምራሕ መኪና ዝሰርሑ ውልቀሰባት ምስ ሚንስትሪ ትራንስፖርትን ሎጀስቲክን ከምኡ'ውን ኮሚሽን ፖሊስ ተራኺቦም ምዝርራቦም ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG