ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝጀመረ ለውጢ ክዕወት ተሳትፎ ኩሉ የድልይ ክብሉ ጸዊዖም


ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ንክዕወት ኩሉ ተርኡ ክፃወት ከምዘለዎ መራሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ይዛረቡ።ንድሕሪት ንምምላስ ምፍታን ግን እታ ሃገር ናብ ሕድ ሕድ ኲናት ክወስዳ ይኽእል እዩ ክብሉ’ ውን ኣተሓሳሲቦም።

ፍሉጣት መራሕቲ ተቓውሚ ፓርትታት ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ እታ ሃገር ገጢሞምዋ ዘለ ፈተናታት ዘተሓሳስቡ እዮም ኢሎም።ምንጭታት ናይዞም ፈተናታት ኣብ ውሽጢ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ነቲ ለውጢ ምሉእ ብምሉእ ዘይተቐበሉ ሓይልታት ምህላዎምን ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝተዋህለሉ ሽግራት እዮም ኢሎም።

ኣብታ ሃገር ይርኣዩ ዘለው ግጭታትን ምምዝባላትን ካልኦት ሽግራትን ናይቶም ፈተናታት መግለፂ እዮም ኢሎም።ኣቦ መንበር መድረክ ዶ/ር መረራ ጉዲና ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ብጥንቃቐ ክምራሕ ኣለዎም ኢሎም።

“ለውጢ ስለዝደለኻዮን ብገለ ሰናይ ድልየትን ጥራሕ እናርኣኻ ዘይኮነስ ህዝቢ ብሰፊሑ እናሳተፍካ ንህዝቢ ዘእምን ለውጢ እውን እናወሰድካ እንተድኣ ዘይተጓዒዝካ ንቕልበሳ ክፉት እዩ ንቕድሚት ንስጓም እውን ክፉት እዩ።ኢትዮጵያ ኣብዚ መስቀለኛ መንገዲ እያ ትርከብ።”

እቲ ሓደጋ ህውሓት ሓዊሱ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገር ናብዘይድሊ ሓደጋ ከይትኸይድ ሃዲኦም ክመርሑ ኣለዎም ኢሎም።

“ስለዚ ሕዚ ዘሎ መንግስቲ ብፀጋም በየማን ብድሕሪት ብቕድሚት እናተጎተተ ኣብ መንጎ እዚ ናይ ለውጢ ሓይልታት ድማ ክናበቡ ኣብዝኽእልሉ ደረጃ ኣይኮኑን ዝርከቡ።”

ንድሕሪት ንምለስ ኢና ዝብሉ ሓይልታት እውን እታ ሃገር ናብ ሕድ ሕድ ኲናት ከእትውዋ ተዘይኮይኖም ነቲ ለውጢ ንድሕሪት ክመልሱዎ ኣይክእሉን ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ተመሳሳሊ ኣመለኻኽታ የለን ዝበሉ ኣቦ መንበር ኣርበኞች ግንቦት ሸውዓተ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ እቲ ለውጢ ብናይ ህዝቢ ቓልሲን ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝነበሩ ደለይቲ ለውጥን ምምፅኡ ብምሕባር ከምዚ ኢሎም።

“እዚ ለውጢ እዚ ንብዙሓት ሚሊዮናት ተስፋ ክኸውን ከሎ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝነበሩ ዘይግብኦም ስልጣንን ሃብትን ይረኽቡ ዝነበሩ ብዙሓት ኣለው።እዚኦም ከምቲ ካልእ ህዝቢ ነዚ ለውጢ ብድልየት ክድግፉዎ እዮም ማለት ኣይኮነን።”

ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ብምውሳኽ ስለዚ ግጭትን ዘይምርድዳእን ምህላው ብዚሕ ዘደንቕ ኣይኮነን ኢሎም።እቲ ለውጢ ግብራዊ ከይኸውን ኣብ መንግስታዊ መሓውራት ዕንቅፋት ኣሎ እዩ ኢሎም ።ስለዚ ነዚ ለውጢ ቐልቢስካ ናብ ሕድ ሕድ ኲናት ክእቶ እንተዘይኮይኑ ሰላም ኣይመፅእን ኢሎም ።

ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ቅድሚት እምበር ናብ ድሕሪ ምምላስ ኣይክኣልን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG