ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ በበይኖም ወገናት ንዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለዎም ድጋፍ የስምዑ


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሎካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ- ፋይል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሎካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ- ፋይል

ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእከል ልዝብ ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን ሎሚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ርክብ ኣብ ዕጹው ስፍራን መራኸቢ ብዙሃን ዘይተረኽቡሉን ይካየድ ብምህላዉ ዝርዝር ናይቲ ዘተ ንምፍላጥ ኣጸጊሙ ኣሎ።

ንክልል ትግራይ ወኪሎም ዝዛተዩ ሰንበት ንደቡብ ኣፍሪቃ ምእታዎ ተሓቢሩ ኣሎ። ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጋዜጣ ደይሊ ማቭረክ ከም ዘስፈሮ፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሑ ልኡኻት ሎሚ ኣማስያኦም ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣትዉ ኰይኖም፡ እቲ ብኣምባሳዳር ሬድዋን ሑሴን ዝምራሕ ልኡኽ ሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ጊደዎን ጢሞቲዎስ’ውን ዝሓቍፍ’ዩ።

ከም ሓበሬታ እታ ጋዜጣ ሎሚ ሰኑይ ነቲ ዝርርብ ንምምራሕ ዝካየድ ምምይጥን ዘተን ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ተዛተይቲ ግን ሰሉስ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝርርብ ክጅምሩ ተወጢኑ'ሎ።

ኣብቲ ዘተ ተዓዘብቲ ኣካላት ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ኣመሪካን ምህላዎም’ውን ዜና ደይሊ ማቭረክ ይገልጽ።

ድምጺ ኣመሪካ ንሓበሬታ ደይሊ ማቭረክ ብኻልእ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሎካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ እቲ ዘተ-ሰላም ክዕወትን ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባጽሕን ክጽልዩ ምዃኖም ብትዊተር ኣብ ዝለኣኹዎ መልእኽቲ ኣስፊሮም።

ብኻልእ ወገን ድማ ርእሰ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስርቲያን ፍራንሲስ ንናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ንሓድነት ጣሊያን እውን ፀሊዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣደባባት ጴጥሮስ ኣብ ዝመርሕዎ ስርዓተ ፀሎት ንናይ ኢትዮጵያ ሰላም ፀልዮም ኣለው።

"ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ግጭት ብሻቐሎት እየ ዝከታተሎ።ህውከት ዘሕዝን ሳዕቤናት ካብ ምግዳድ ንላዕሊ ንፀገማት ከምዘይፈትሕ ካብ ልበይ ደጊመ ክገልፀልኩም እደሊ።ፖለቲካዊ መራሕቲ ንርእሶም ክከላኸሉ ዘይኽእሉ ሰባት ስቓዮም ከብቅዕን ኣብ መላእ እታ ሃገር ነባሪ ሰላም ክሰፍንን ክሰርሑ ምሕፅንታይ የቕርብ ኣለኹ’’ኢሎም።

"ኣዚዮም ንዝተሃሰዩ ኢትዮጵያዊያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምፅላይ ኣይትረስዑ፤ሓድነትና ኣብ ምግላፅን ዘድልዮም ሰብኣዊ ሓገዝ ምሃብናን እውን ኣይንረስዕ’’ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሎሚ ንዝጀመረ ሓዱሽ መንግስቲ ንሓድነትን ሰላን ጣሊያን ንፀሊ ኢሎም።

ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሓላፊ ዝምድናታት ወጻኢ ጆሰፕ ቦረል ፎንተለስ ብግደኦም፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ዘለዎም ድጋፍ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኵላቶም ኣካላት ሓላፍነት ወሲዶም ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ክጽዕሩን ንዕርቂን ዳግመ-ህንጸትን ክጥምቱን ተላብዮም።

XS
SM
MD
LG