ካብ ኤርትራ መጺኦም ኣብ`ዚ ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ክገብሩ ዝቐነዩ መራሕቲ ሲኖዶስ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ: ብዛዕባ ኩነታት ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ንድምጺ ኣሜሪካ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ሂቦም-ካልኣይ ክፋሉ ሎሚ ቀሪቡ`ሎ።
ኣብ`ዚ ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ክገብሩ ዝቐነዩ መራሕቲ ሲኖዶስ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ: ብዛዕባ ኩነታት ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ንድምጺ ኣሜሪካ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ይህቡ።
እቲ ብዋና-ጸሓፊ ሲኖዶስ ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ሰለስተ ኣባላት ዘለዎ ልኡኽ፡ እቶም ፓትሪያርክ ዘለውዎ ኩነታት ብማሕዩር ኮነ ብማእሰርቲ ደረጃ ክግለጽ ዝግባእ ኣይኮነን ኢሎም። ንሳቶም ነዚ ምላሽ ዝሃቡ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ፓትርያርክ ካብ ማሕዩር ወጺኦም ናብ ስልጣኖም ይመለሱ ዝብል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ`ዩ።
ምስ ብጹዕ ኣቡነ ዮውሃንስ፡ ሊቀ-ጳጳስ ሃገረ ስብከት ድባርዋን ጋሽ-ባርካን፡ ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና-ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ከምኡ`ውን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ፡ ሊቀ-ካህናት ሳሙኤል ጸጋይ ምኽትል ዋና-ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ካልኣይ ክፋል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።