ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ሰብኣዊ ኩነታት ኣፍጋኒስታን ይዝትዩ


ትማሊ ሰሉስ ዝተፀወዐ ህፁፅ ኣኬባ ኣብ ጣልያን ዝተረኽቡ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ኣፍጋኒስተን ከጓንፍ ካብ ዝኽእል ሃንደበታዊ ሓደጋ ንምክልኻል ብቢልዮናት ዝቑፀር ዶላር ሓገዝ ክገብሩ ቃል ኣትዮም ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን እዋን ክረምቲ ክኣቱ ይቀራረብ ኣሎ ፣ መጠን ዋዒ ቀኒሱ ይርከብ ። ብሚልዮን ዝቁቑፀሩ ሰባት ህፁፅ ሓገዝ ከምዘድልዮም ትካላት ወሃብቲ ሓገዝ ይገልጹ ኣለው ።

ተወካሊ ትካል ህጻናት ኣድህን ሕ/ሃ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሳልም ኣልያናቢ “ከባቢ ሰለስተ ሚልየን ዝፅግዑ ህፃናት ህፁፅ ዝተመጣጠነ መግቢ ከድልዮም ከሎ ካብዚኦም እቶም ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ብሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢን ሕክምናን ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት ዝርከቡ እዮም ” ይብሉ ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍጋኒስታን ቁጠባኣ ከተሕውን ሃንደበታዊ ሓደጋታት ንምክልኻል ክሕግዛን ቢልዮናት ዶላር ከምዘድልያ ሓቢሩ ።ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ቅልውላው ኣፍጋኒስታን ንምዝታይ ትማሊ ሰሉስ ብቪድዮ ዝተሓገዘ ህፁፅ ኣኼባ ኣካይዶም ።ኣብቲ ኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ጥልያን ማርዮ ድራጊ “እዚ ንፈለማ እዋን እዩ መራሕቲ ንቅ፟ልውላው ኣፍጋኒስታን ሓባራዊ ምላሽ ክህቡ። ኣፍጋኒስታን መዕቆቢት ዓለምለኸ ግብረሽበራውያን ክትከውን ካብ ዘይምድላይ ዘበገሶ ሓባራዊ ስምምዕ ዝፈጠሮ እዩ ።”ኢሎም

ሕብረት ኣውሮጳ 1.2 ቢልየን ዶላር ንኣፍጋኒስታንን ጎረባብቲ ሃገራትን ክህብ ቃል ዝአተወ ኾይኑ እቲ ሓገዝ በቶም ኣብ መሬት ወሪዶም ዝሰርሑ ዘለዉ ዓለምለኸ ትካላት ኣቢሉ ክባፃሕ እዩ ወሲኑ ። ኣሜሪካ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ስጋብ ሕጂ34 ሚልየን ዶላር ቃል ዝኣተወት ኮይና ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ኣኼባ ጉጅለ 20 ገንዘባዊ ሓገዝ ንጣሊባን ከይወሃብ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

መራሒት ጀርመን ቻንስለር ኣንጌላ ማርኬል ብወገነን እቲ ጉጅለ ምልሻ መሰረታዊ መሰል ደቂ አንስትዮን ኣዋልድን ስጋብ ዘክብር ኣፍልጦ ክወሃቦ ኣይግባእን ኢለን ።

“ ብግልፂ እየ ነዚ ዝዛረብ ዘለኹ ምምሕዳር ጣሊባን ንኹሉ ዝሓቆፈ ኣይኮነን ። ንዕዑ እዩ ድማ ንጣሊባን ኣፍልጦ ምሃብ ከም መዘራረቢ ርእሰ ጉዳይ ክኸውን ዘይተደለየ ።ይኹን ድኣምበር ድልየታት እናዓበዩ ምስ ምምፀኦም ክዘራረብሉ ግድንን ኣገዳስን እዩ ።”

ጣሊባን ብወገኑ ትማሊ ሰሉስ ማሕበረሰብ ዓለም ርክባት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ክገብር ኣለዎ ኢሉ ። ግዝያዊ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍጋኒስታን ኣሚር ካን ሙታኪ “ኩሉ ዓይነት ኣማራፅታት ሓይሊ ተፈቲኑ እዩ ዝተረኽበ ጥቅ፟ሚ ግን የለን ።ብምዃኑ ኣብዚ ሰዓት ኣማራፅታት ዘተን ምርድዳኣትን ክንጥቀም ይግባእ ”ኢሎም::

ናብራ ንተራ ኣፍጋኒስታናውያን ኣዝዩ ከቢድ እዩ ዘሎ ። ልዕሉ ሕፅረት ገንዘብ ኣሎ፣ ብዙሓት ትካላት ንግዲ ተዓፅዮም እዮም ፣እዚ ድማ ስራሕ ንኽጠፍእ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ፣ ዝኽፈል መሃያ የለን ፤ ዋጋ መሰረታዊ ሸቀጣ መቀ፟ጥ ብዝለዓለ ናህሪ ወሲኹ እዩ ። እዚ ኹሉ ሳዕቤን ናይቲ ንነዊሕ ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ውግእን ሓደጋ ድርቅን እዩ ።

ሳልም ኣል ያናቢ ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብዚ እዋን ህፃናትን ኣዴታትን ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ኣብ ኣፍ ሞት ይርከቡ ምህላዎምን ዩኒሴፍ ካብ ሰብኣውያን ዝፅበዮ ሓገዝ ካብ ፖለቲካ ነፃ ዝኾነ ህይወት ህፃናትን ኣዴታትን ዝድሕነሉ ኩነታት እዩ። ንዕዑ ስዒቡ ንዝዓበየን ኣሰራርሓታትን ርክባትን ከመይ ክኾኑ ከምዝግባእ ተሞክሮ ክርከብ ይከኣል እዩ ኢሉ ።

ጣሊባንን መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ሓገዛት ረዲኤት ብኸመይ ናብ ኣፍጋኒስታን ይኣቱን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ዝወፅሉን ኣገባብ ኣብ ቀጠርይዘራረቡ ኣለዉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ደጊሞም ብኣካል ኣብ ከተማ ሮማ ክራኸቡ እዮም ።

XS
SM
MD
LG