ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ኣሜሪካን ኢራንን ወጥሪ ካብ ዘበኣእሱ ስጉምቲታት ክቑጠቡ ጸዊዖም


ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ወጥሪ ኣብ ዝሓየለሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣውሮጳ ኩሎም ወገናት ወጥሪ ካብ ዘበኣእሱ ስጉምትታት ክዕቀቡ ፀዊዑ።

ኣሜሪካ ‘USS Abraham Lincoln’ ተባሂላ ንእትፅዋዕ ተሸካሚት ነፈርቲ ውግእ መርከብ ዝመርሕ ጉጅለ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ልኢኻ’ላ።B-52 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ቀጠር ኣብዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ኣትየን ኣለዋ።ምምሕዳር ትራምፕ እቲ ምቅርራብ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣሜሪካ ካብ ኢራን ንዝፍነው ንፁር ምልክታት ሓደጋ ንምምካት ዝዓለመ እዩ ኢሉ’ሎ።

ሓላፊት ፖሊሲ ወፃኢ ጉዳያት ሕብረት ኣውሮጳ ፈደሪካ ሞገሪኒ እቲ ናይ ወጥሪ ስግኣት ብዝለዓለ ደረጃ ሓደገኛ ስለዝኾነ ወታደራዊ ረፅሚ ካብ ዘስዕብ ስጉምቲ ምቑጣብ የደልይ እዩ ኢለን ።

XS
SM
MD
LG