ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሃገራት ኣመሪካ:ካናዳን ሜክሲኮንኣብ ኣመሪካ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም


ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ሎሚ ሓሙስ ዝተራኸቡ መራሕቲ ኣመሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን፣ ኣብ ኩነታት ለውጢ ኣየር፣ ጉዳይ ስደተኛታት፣ ቁጠባዊ ውድድርን ብድሆ ኮቪድ 19 ክዘራረቡ መደብ ኣለዎ።

ቀ/ሚ ካናዳ ጀስትን ትረዱን ፕረዚደንት ሜክሲኮ ኣንድሬስ ማንኤል ሎፐዝን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ (ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ) ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ተራኺቦም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ክሪስ መገር "እቲ ናይ ሎሚ ዋዕላ ውጽኢት ጻዕሪታት ዓሰርተ ወርሒ ከምዝኾነ፣ እቲ ሓባራዊ መደረኽ፣ ንዘቤታዊ ቁጠባዊ ዕብየትን ጎረባብቲ ሃገራት ክጻወተኦ ዘለወን ተራ ዝፍትሽ፣ ከምኡውን ንዞባዊን ዓለምለኻዊን ብድሆታት ዝፍተሸሉን’ዩ" ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG