ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንድንፋዐ ምክልኻል ሓይሊ ሶማል ይሰምማዑ


ብዕድመ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣብ ሞቓዲሾ ዝተጋብኡ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲን ኬንያን ድሕሪ ርክቦም ሎሚ ኣብ ዝዘርግሑዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንዞባዊን ሃገራዊን ጸጥታ ሶማል ተሓባቢሮም ክሰርሑ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

እቲ ንርክብ ንሶማል ዘዳዉባ ሃገራት፡ ብቐንዱ ነቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዘሎ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ንምምካት ኢዩ። ምስ ዕድመ ምብቃዕ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ሃገር፡ ሶማል ሓይሊ ሰራዊታ ንምድልዳል ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተዓለምቲ ክትልእኽ ኣብ ምድላው ከም ዘላ ኣብዚ ሰሙን ወግዓዊ ገይራ ኣላ።

ሶማል፡ ኣቐዲማ ኣብ ኤርትራ ተዓሊሞም ዝተመልሱ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰራዊት ምስዳዳ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብተመሳሳሊ መደብ ድማ ናብተን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ተዓሊም ዝቐስሙ ተወሰኽቲ ኣባልት ንምስዳድ ኣብ ምድላው’ያ ዘላ: መራሕቲ ሃገራት ጎረባብቲ ሶማል፡ ሓቢረን ዶባተን ዘውሕሳሉን ንስግረ-ዶባዊ መጥቃዕታት ግብረ-ሽበራ ዝከላኸላሉን መገዲ ኣብ ምፍጣር ክሰርሓ ተሰማሚዐን ኣለዋ። ብተወሳኺ፡ መራሕቲ እተን ሰለስተ መዳውብቲ ሃገራት፡ እቲ ልዕሊ ሶማል ተነቢሩ ዘሎ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክለዓል እጃሞም ክግብሩ ምዃኖም ኣብቲ ዘውጽኡዎ መግለጺ ጠቒሶም ኣለዉ።

ኣብ ሶማል እስላማዊ ስርዓት ንምትካል ዝዕልም ጕጅለ ኣልሸባብ፡ ንርክብ እቶም መራሕቲ ንምትእጕጓል ክንቀሳቐስ ምጅማሩ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብቲ ርክብ ዝካየደሉ ዝነበረ ኣከባቢ ግን ሞርታር ቦምባ ምድርባዩ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። በቲ ተወንጫፍ ቦምባ ዝወረደ ሓደጋ እንተ ሃልዩ ግን ዛጊት ኣይተነጸረን።

ሰራዊቱ ካብ ሶማል ንኽስሕቡ ድፍኢት ንምግባር’ውን እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኬንያ፡ ኣብ ኬንያ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ እቲ ዜና ወሲኹ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG