ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ጊኒ ነበር ካማራ 157 ሰባት ዝሞትሉ ፍጻመ ብዝምልከት ቃሎም ሂቦም


ሙሳ ዳዲስ ካማራ
ሙሳ ዳዲስ ካማራ

መራሒ ጊኒ ነበር ሙሳ ዳዲስ ካማራ ቅድሚ 13 ዓመታት ወታሃደራት ኣብ ሓደ ስታዲዮም ብውሑዱ 157 ሰባት ዝቐተልሉን ዓሰርተታት ደቂ ኣንስትዮ ዝተዓመፃሉን ብፍጻመ ብዝምልከት ዝነበሮም ተራ ብዝምልከት ንመጀመሪያ ግዜ ቃሎም ሂቦም።

ካማራ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ኣብ ዝተፈጸመሉ ፈላሞት ሰዓታት ደቂሶም ከምዝነበሩን ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ቅድሚ ቀትሪ ምስ ተንስኡ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም ዝብል ከምዝተነገሮም ብምግላፅ ንፁህ እየ ኢሎም።

ኣብቲ ስታዲዮም ብዝፍተፈፀመ ቕትለትን ፆታዊ ዓመፅን ካማራ ሓዊሱ 11 ሰባት ተኸሲሶም ኣለው።

28 መስከረም 2019 መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ክኸውን ንዝሓዞ ትልሚ ንዝተቓወሙ ሰልፈኛታት ሓይልታት ፀጥታ ቶኲሶም።

ካማራ ኣብቲ ዓመት ብዕልዋ መንግስቲ እዮም ስልጣን ሒዞም።እቲ ፍርዲ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ክዛዘም ትፅቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG