ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ደምበ ተቃውሞ ኡጋንዳ ኣብ ቤቱ ተወሲኑ ቀንዩ 


ኣብ ከባቢ ዋና ቤት ጽሕፈት ቦቢ ዋይን አባላት ጸጥታ ኣብ ዝንቀሳቀስሉ ዝነበረ ዝተወስደ
ኣብ ከባቢ ዋና ቤት ጽሕፈት ቦቢ ዋይን አባላት ጸጥታ ኣብ ዝንቀሳቀስሉ ዝነበረ ዝተወስደ

መራሒ ደምበ ተቃውሞ ኡጋንዳ ቦቢ ዋይን፣ ሰራዊት ኡጋንዳ ንመንበሪኡ ብምድፋር ንሓደ ዋርድዩ ከምሃረመ ገሊጹ። እዚ ይኸውን ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንክካየድ ክልተ መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ ሕጂ እዋን'ዩ። ብዘይካ'ዚ፣ ኡጋንዳ ኩሎም ማሕበራዊ ሚድያታት ንክዕጸው አዚዛ ኣላ።

ስነ ጥበባዊ ዝነበረን ሎሚ ፖለቲከኛን ራበርት ያጉላኒ፣ ብናይ ሎሚ ስሙ ባቢ ዋይን፣ ንዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልታት ወፍሪ መረጻ ኣይገበረን። ሰበ ስልጣን ኡጋንዳ ንምንቅስቃሳቱ ስለዝተቆጻጸሮ፣ ዋይን ኣብ ቤቱ እዩ ተሓጺሩ ቀንዩ። ንሱ ንፖሊስ ይኸስስ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኮምሽን መረጻ ኡጋንዳ፣ ወፍሪ ምረጹኒ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንከይካየድ ወሲኑ እዩ። ናብዚ ውሳነ'ዚ ዝበቅዐ ብመሰረት ሚኒስትር ጥዕና’ታ ሃገር ንኮቪድ 19 ንምቁጽጻር ዘሕለፎ መምርሒ ከምዝኾነ’ውን ጠቂሱ እዩ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ሚእቲ ደገፍቲ ሃገራዊ ሓድነት ከምዝተኣሰሩ ተሓቢሩ ኣሎ። ፖሊስ ኡጋንዳ፣ እቶም ዝተኣሰሩ ኣባላት ኣብ እዋን መረጻ ኣብ ገበናዊ ተግባራት ዝተሳተፉ እዮም ይብል።

XS
SM
MD
LG