ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ኦነግ ዳውድ ኢብሳ ሓይልታት ጸጥታ ናይ ገዛ እሱር ጌይሮሙኒ ክብሉ ይኸሱ


ናይ ነዊሕ መራሒ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)ዳውድ ኢብሳ ‘ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ንዝሓለፉ ዓሰርተ መዓልታት፣ ናይ ገዛ እሱር ገይሮምኒ’ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

አቶ ዳውድ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ‘ካብ 17 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ገዛ ተዓጊተ ኣለኹ። ካብ ገዛ ክወጽእ ኣይካኣልኩን: ኣጋይሽ ክቅበል’ውን ኣይፈቅዱለይን፣ ካብኡ ዝሰገረ ሞባይል ቴለፎነይ መንጢሎምኒ’ ኢሎም ኣለው።

ሓይልታት መንግስቲ ‘እቲ ስጉምቲ ዝወሰዱ ንድሕነትካ’ዩ’ ከምዝበልዎም’ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ጠቂሶም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ምክትል ኣቦ መንበር ኦነግ ኣራርሳ ብቂላ፣ ኣቦ መንበር ዘይተረኸበሉ ዘይሕጋዊ ኣኼባታት የካይድ ከምዘሎ ገለ ኣባላት ኦነግ ይገልጹ። ኣቶ በቂላ እቲ ኣኼባ ይካየድ ከምዘሎ ኣሚኖም፣ እንተኾነ ንዳውድ ኢብሳ ንምትካእ ዘይኮነስ ‘ብዙሓት መራሕቲ ኦነግ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ስለዝዋዓሉ’ዩ’ ከምዝበለ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG