ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ኦነግ ሸኔ ውድቡ ንቕትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተሓታቲ ከምዘይኮነ ገሊጹ


ኣዛዚ`ቲ ሸኔ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕጡቕ ክፋል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፥ ብድሕሪ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣሎ ንዝብል ብመንግስቲ ዝቐረቦ ክሲ ነጺግዎ።

ኩማ ዲሪባ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፥ ንቕትለት ሃጫሉ ተሓታቲ መንግስቲ`ዩ ኢሉ።

ብኻልእ ወገን `ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ` ዝተባህለ ፓርቲ፥ ነቲ ለንቅነ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ብምኹናን፥ መንግስቲ ንዜጋታት ንምሕላው እኹል ጻዕርታት ክገብር ጸዊዑ።

ብቕጽል ሽሙ ጃል መሮ ተባሂሉ`ዩ ዝጽዋዕ-ኩምሳ ድሪባ: ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናይ ዝርከብ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፥ ኣዛዚ ዞባ ምዕራብ ከም ዝኾነ ይንገረሉ። ኩምሳ ድሪባ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ብድሕሪ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣሎ ንዝብል ብመንግስቲ ዝቐረቦ ክሲ ብምንጻግ ንቕትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኮነ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ተሓታቲ ከም ዘይኮነ ገሊጹ`ሎ- ።

ጃል መሮ ኣተሓሒዙ ድምጻዊ ሃጫሉ ኣብ ስልጣን ካብ ዘለዉ መራሕቲ ንላዕሊ ምስ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ዝቐረበ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላጽ፥ "ተቓውሞ እንተዝነብሮ ከማን ንዕኡ ክንቀትለሉ ንኽእል ወላ ሓደ ምኽንያት የለን" ኢሉ።

ኣተሓሒዙ "ብረት ምስ ዝዓጠቐ ሓይሊ ኣብ ኩናት እንተሃለና`ውን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዜጋታት ፍጹም መጥቃዕቲ ኣይንፍጽምን ኢና" ኢሉ። ንሰለማውያን ሰባት ካብ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ተግባር ድማ ድማ ናይ መንግስቲ`ዩ ኢሉ- እዚ ኣዛዚ ሰራዊት ሸኔ ዞባ ምዕራብ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝንገረሉ ጃል መሮ።

ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ኣዳነች ኣበቤ ትማሊ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መጠይቕ፥ "ምስ ቅትለት ሃጫሉ ብዝተሓሓዝ ኣብ ገበን ተሳቲፎም ኢልና ንምእማን ንምጥርጣር ዘኽእለና ብቑዕ መረዳእታ ኣብ ኢድና ሒዝና'ለና።መብዛሕቲኦም ኢድ ብኢድ ዝሓዝናዮም መረዳእታታት'ዮም።ብተክኖሎጂ ተጠቒምና ዝሓዝናዮም ሰነዳት'ውን ኣለዉና። ናይ ሰባት ናይ ዓይኒ ምስክራት'ውን ሒዝና'ለና።" ብምባል ተጠርጠርቲ ቅትለት ሃጫሉ ካብ ዕጡቓት ሸኔ ምዃኖም ብኸምዚ ዝስዕብ ሓቢራ ኔራ።

" ካብ ተለፎን ሃጫሉ ዝረኸብናዮ ተወሳኺ መረዳእታ ኣሎ ፡እዚ ናይ ቅትለት መፈራርሒ ክኸውን ከሎ፡ ብቐጥታ "ኣነ ናይ ኦነግ ሸኔ ተዋጋኣይ እየ፡"ዝብል መፈራርሒ'ዩ። ድሕሪኡ፡ ሃጫሉ ኣብ OMN ቀሪቡ ዝበሎን ዝተባህሎን ናይ ተክስሰትን ድምጽን በየናይ ስልክን ዝብሉ ኩሎም ኣብ ኢድና ኣለዉ። ንሱ'ውን ብህይወት ከሎ ንመሰኻኽርና ዝነግሮም ዝነበረ፡ ከምኦም ዝበሉ ምፍርራሓት ካብ መን ይመጽዎ ከም ዝነበሩ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን እንተሞይተ ብኦነግ ሸኔ'የ ዝመውት ኢሉ ይዛረብ ከም ዝነበረን ይገልጽ ኔሩ'ዩ።

ካልኣይ ድማ ምስ ሕወሓት ኣብ መሪር ነገር ከምዝነበረን፡ እንተሞይተ፡ እናበለ ይዛረብ ከም ዝነበረን ዝገልጹ ምስክራት ቃሎም ሂቦም ኣለዉ። ንሕና ግን ብዋናነት ተኲሰ ዝቐተልኩ እወ ኣነ'የ ዝበለ ምስ ብረቱ ሒዝና'ለና። ካልኣይ ድማ ምስ ሃጫሉ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ነቲ ቀታሊ ብመልክዑ ኣላልያ እቲ ሰብ ንሱ ምዃኑ ናይ ምስክርነት ቃላ ሂባ'ያ፡ ስለዚ ነዞም ጭብጥታት ሒዝና ኢና ንህዝብና ክንሕብር ዝደለና"።

ኣዛዚ ሸኔ ዞባ ምዕራብ ጃል መሮ ግን ንሕና ኣይቀተልናን ኢሉ`ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመሮ ምስ ህወሓት ብምትሕብባር ከምኡ`ውን ምስ ግብጺ ብምትሕብባር ንኢትዮጵያ ብምህዋኽን፥ ግድብ ህዳሴ ንከይመልእ ውዲት ብምፍሓስን`ውን ይኸሶ`ዩ።

​ብኻልእ ዝተኣሳሰር ዜና፥ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐስ ብበዓል ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ዝምራሕ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ-ኢዜማ ዝተባህለ ፓርቲ ሎሚ ረቡዕ ብዛዕባ'ዚ ናይ ለንቅነ ህውከት ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ ኔሩ። መራሕቲ ኢዜማ ኣብ መግለጺኦም ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን፥ መንግስቲ ንዜጋታት ኣብ ምሕላው ኣድላዪ ዘበለ ስጉምትታት ብዘይምውሳድ ነቒፎም ኣለዉ።

ሓይልታት ጸጥታ ልዕሊ ኹሉ ቀዳምነት ክህብዎ ዝግባእ ትዕግስቲ ዘይኮነስ ናይ ሃገርን ህዝብን ሰላምን ድሕነትን ካብ መጥቃዕቲ ምሕላው`ዩ ዝበለ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ፥ ኣብዛ ሃገር ብተደጋጋሚ ናይ ፖለቲካ ሽፋን እናተዋህቦም ዝተላዕሉ ህውከታት ንምቁጽጻር መንግስቲ ሓላፍነቱ`ዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ብሽም ናጽነት ፕረስ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝፍኖ መልእኽትታት ልዕሊ ህይወት ኣይኮነን ኢሉ፥-

" ሚድያ ዝሰርሖ ባህሊ ኣሎ። ሎሚ ኮፍ ኢልና እንተርኢናዮ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ምምጻእን ክትቆጻጸሮ ዘይምኽኣልን ኣብ ዓለምና ዝፈጥሮ ዘሎ ትርምስ ልዑል`ዩ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ጥራይ ጸገም ኣይኮነን፣ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ናይ ምዝራብ ናጽነት ሓበረታ ናይ ምርካብ ናጽነት ዝበሉ ነገራት ካብ ህይወት ሰብ ኣይበልጹን`ዮም።"

መራሕቲ ኢዜማ ዶ/ር ብርሃነ ነጋን ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋን ብተወሳኺ፥ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ስርዓተ-ሕጊ ክኽበር ስቕታ መሪጹ ብምጽንሑ ይቕረታ ክብል ኣለዎ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ኢትዮጵያውያን ውሽጣዊ ፍልልያቶም ንምፍታሕ ንዘመናት ክጥቀምሉ ዝጸንሑ ባህላውን ልማዳውን ኣገባብ ዕርቂ መታን ክጥቀሙ ክበራትዑን ንምሕያሎም ክስራሕን ይግባእ ዝብል መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG