ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ኣልጀርያ ቡተፍሊካ ካብ መዝነቶም ለቒቆም


ፋይል
ፋይል

ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ንኣልጀርያ ክመርሑ ዝጸንሑ ፕረዚደንት ዓብደልዓዚዝ ቢተፍሊኻ ድሕሪ ንሰሙናት ዝቐጸለ ተቓውሞ ትማሊ ሶሉስ ካብ መዝነቶም ምውራዶም ኣፍሊጦም።

መራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ምልቃቕ መዝነት እቶም ወዲ 82 ዓመት ፕረዚደንት ምስ ኣፍለጡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት’ታ ሃገር ናብ ጎደናታት’ታ ሃገር ብምውጻእ ሓጎሶም ክገልጹ ተራእዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ ኣልጀርያ ዝተላዕለ ተቓውሞ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብ መሪሕነት ዘለው ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር መዝነቶም ክለቑ ዝጠለብ’ዩ ኔሩ።

ደገፍቲ ፕረዚደንት ቡተፍሊካ ብወገኖም ተቓወምቲ’ታ ሃገር ናብ ኣብ 90ታት ዝነበረ 200,000 ዜጋታት ዝሞትሉ ኩነታት ከይትምለስ ወይ’ውን ከምዚ ናይ ሶርያ ኹናት ከየጋጥም ከጠንቕቑ ምንጽሖም ይፍለጥ።

ይኹን ደአ እምበር ተቓውሞ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብታ ሃገር ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ሓደ ሰብ ጥራይ ምሟቱን እቲ ተቓውሞታት ሰላማዊ ምንባሩ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ቡተፍሊካ ኣብ 2013 ወቕዒ ልቢ ካብ ዘጋጥሞም ንደሓር ምስ ህዝቢ ብደብዳበ ክራኸቡ ዝጸንሑ ክኮኑ ኸለው ምልቓቕ መዝነቶም’ውን ብደብዳበ’ዩ ኔሩ።

“ነዚ ኣብ ቀረባ ዝተራእየ ምጉርምራም መፈጸምታ ንምግባር እዚ ስጉምቲ ወሲደ’ለኹ” ዝበለ ደብዳበ ፕረዚደንት ቡተፍሊካ ኣብዚ ናይ ሽግግር እዋን ድማ ንትካላት’ታ ሃገር ስርሓቶም ክቕጽሉ ዘክእል ኣድላይ ስጉምቲ ወሲደ’የ እውን ኢሎም።

ፕረዚደንት ቡተፍሊካ መዝነቶም ምልቃቖም ዘፍለጡ ሓለቓ ስታፍ እታ ሃገር ብመሰረት ቅዋም’ታ ሃገር ቡተፍሊካ ንመሪሕነት ብቑዕ ከምዘይኮነ ዝገልጽ ህጹጽ ውሳነ የድልይ ድሕሪ ምባሎም’ዩ።

ኣብ እዋን ተቓውሞ ወታሃደራት ኣብ መደበራቶም ዝጸንሑ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ቡተፍሊካ ግን ጸቕጢ ክፈጥሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ቡተፍሊካ ኣቐዲሞም ቅድሚ ምዝዛም ናይ ስልጣን ዘመኖም ኣብ ሚያዝያ 28 ካብ መዝነቶም ከምዝለቑ ክገልጹ ምጽንሖም ይዝከር።

ምስ ምልቃቕ ቡተፍሊካ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ንዝመጽእ 90 መዓልታት መዝነት ንኣቦ መንበር ፓርላማ’ታ ሃገር ዓብደልከድር በንሳልሕ ከምዝተዋህበ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ቡተፍሊካ ምስ ምዝዛም 200.000 ዜጋታት’ታ ሃገር ዝሞትሉ ምስ እስላማዊ ዕጡቓት’ታ ሃገር ዝተካየድ ኹናት ሕድሕድ ኣብ 1999 ናብ መዝነት ምምጽኦም ይዝከር።

ፕረዚደንት ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊካ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ኣልጀርስ ክፈራረማ ኸለዋ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኾይኑ ዝሸምገለ'ዩ።

XS
SM
MD
LG