ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ'ታ ብተቓውሞ ትሕመስ ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ናብ ቀጠር የምርሑ


ፕረዚደንት ሱዳን ዑማር ኣል-በሽር ናብ ቀጠር ይገሹ ኣለው።ሃገሮም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታት ካብ ካብ ትሕመስ እዚ ናይ መጀመሪያ ናይ ወፃኢ ሃገር መገሽኦም እዩ።

ፕረዚደንት በሽር ምስ ናይ ቀጠር ኤሚር ሸኽ ታሚም ቢን ሃማድ ኣል ታኒ ፅባሕ ረቡዕ ተራኺቦም ርክባቶም ንምሕያል ክዘራረቡ ምኳኖም ናይ ቀጠር መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና QNA ትማሊ ሶኑይ ምጽብጻቡ ይፍለጥ።

በሽር ነቲ ተቓውሞ ናይ ተለኣኣኽትን ሰረግትን እዮም ክብሉ ነቲ ህውከት ከነኣእስዎ ክፍትኑ ፀኒሖም ኣለው።

ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ ባኒ 19 ታሕሳስ 2018 ዝጀመረ ተቓውሞታት 24 ሰባት ከም ዝሞቱ መንግስቲ ኣረጋጊፁ’ሎ።ሕቡራት መንግስታት ግን ብዝሒ ዝሞቱ ካብቲ መንግስቲ ዝገለፆ ንላዕሊ ምዃኑ እሙናት ምንጭታት ገሊፆም እዮም ኢሉ’ሎ።

ጋዜጠኛታት፣መራሕቲ ተቓዋሚ፣ሰልፈኛታትን ኣባላት ስቪክ ማሕበረሰብን ሓዊሱ ልዕሊ 800 ሰባት ተኣሲሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG