ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፍሪቃዊያን ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዘስዕቦ ተጽዕኖ ክዳለው ኣጠንቂቑ


መራሒ ሰልፊ ዲሞክራቲክ ጥምረት ጆን ስቲንሁሰን - ፋይል
መራሒ ሰልፊ ዲሞክራቲክ ጥምረት ጆን ስቲንሁሰን - ፋይል

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፍሪካዊያን ወራር ሩሲያ ኣብ ዩክሬን ንዘስዓቦ ተፅዕኖ ክዳለው ኣጠንቂቑ።መራሒ ሰልፊ ዲሞክራቲክ ጥምረት ጆን ስቲንሁሰን ኣብ ዩክሬን ንሽዱሽተ መዓልታት ዘካየድዎ ሓቅታት ናይ ምንዳይ ተልእኾ ትማሊ ሓሙስ ዛዚሙ።

ብሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ዝመራሕ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ተካይዶ ንዘላ ኲናት ማእኸላይ መርገፂ ብምሓዝን ብዕርቂ ክፍታሕ ብምፅዋዕን ከምዘይኹንኖ እንተገለፀ እውን መራሒ ሰልፊ ዲሞክራቲክ ጥምረት ፓርቲ ጆን ስቲንሁሰን ግን ኣብ ወሰና ወሰን ዋና ከተማ ዩክሬን ኪይቭ ዝርከባ ነኣሽቱ ከተማታት ዝወረደ ዕንወት ልቡ ከምዝተስበረ'ውን ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ እቲ ኲናት ብፍሉይ ንኣፍሪቃ ተኣፋፊ ይገብራ ይብል።

ብሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ዝመራሕ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ሩሲያ ወጊኑ ንዝብል ናይ ስቲንሁሰን ክሲ ካብ ወሃቢ ቃል'ቲ ሰልፊ ፑለ ማቤ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ መልሲ ኣይረኸበን።

XS
SM
MD
LG