ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኬንያ ንውጽኢት ምርጫ ብምቅዋም ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም


ቀዳማይ ሚንስትር ኬንያ ዝነበሩን መራሒ ተቃ፟ዋሚ ሰልፊ ዝኾኑ ራይላ ኦዲንጋ ነቲ ብውሑድ ነጥቢ ዝተሳዕርሉ ውፅኢት ኢሎም ኣለው ምርጫ ብምቅዋም ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ክሶም ኣቕሪቦም። ኦዲንጋ ነቲ ሕጋዊ ቃልሲ ነቲ ዕሸል ዴሞክራሲ እታ ሃገር ዝክፈል መስዋእቲ እዩ ኢሎም ኣለው።

ኣብ ቀረባ እተዛዘመ ኢሎም ኣለው ምርጫ ኬንያ ዝተሳዕሩ ራይላ ኦዲንጋ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር እቲ ንዊልያም ሩቶ ፕረዚደንት ዝገብረ ውፅኢት ክቅ፟ይሮ ትማሊ ሰኑይ ወግዓዊክሶም ኣቅ፟ሪቦም። ኦዲንጋ ንደገፍቶምን ብኣሽሓት ዝቁ፟ፀሩ ሰነዳት ዝተዓጥቁ ጠበቃ፟ታቶምን ኣስዒቦም እዮም ኣብ ማእከል ናይሮቢ ናብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም። ክሶም ድሕሪ ምቅ፟ራቦም ስርዓት ምርጫ እዛ ሃገር ተበላሽዩ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

“ኬንያውያንን ወፍርታትና ዝከታተሉ ዝነበሩን ኩሎም ከም ዝዝክርዎ ኣንፃር ብልሽውና ምቅላስን ንሓዋሩ ካብ ኬንያ ክጠፍእ ምግባርን ከም ፓርቲ ኣዝሚዮላ ኡሞጃንን ከም ሓደ ናይ ኬንያ ውሁድ ፓርቲን ኣብ ኩሉ ወፍርታትና ቀንዲ ኣጀንዳና ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኣወጀ ውፅኢት ፕረዚዳንታዊ ምርጫ ዘርእዮ ሓይሊታት ዴሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ኣንፃር እቶም ነዛ ሃገርን መንግስትን ንምቁፅፃር ካብ ዝገብርዎ ፈተነታት ዘይድቅሱ ገበነኛታት ብልሽውና ዝግበር ቀፃጻሊ ቃልሲ የመላኽት።"

ጠበቃ፟ታት ኦዲንጋ ከምዝብልዎ እቲ ኣብ 9 ነሓሰ ዝተኻየደ ምርጫ ንዊልያም ሩቶ ዝወገነ ምንባሩ ዝሕብሩ ሰነዳት ምስቲ ክሶምም ምትሕሓዞም ይዛረቡ ። ውፅኢት እቲ ምርጫ ሩቶ 7.1 ሚልየን ድምፂ ክረኽቡ ከለዉ ኦዲንጋ ድማ 6.9 ሚልዮን ምርካቦም እዩ ብወግዒ ዝተገልፀ። ጄሚስ ኦረንጎ ካብ ጠበቃ፟ታት ኦዲንጋ ሓደ እዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ክረትዑ ምዃኖም እዮም ብርግፀኝነት ይዛረቡ።

“ኣብ ብዙሓት ጥርዓናት ተሳቲፈ እየ። ብዛዕባ እዚ ክብለኩም ዝኽእል ግን ጭቡጥ ዝኾነ ኣዝዩ ዘገርም መርተዖ እዩ ዘለና ከምኡ'ውን ብዙሓት ንፁራት ሰነዳትውን ኣለዉና፤ ኣብ መወዳእታ እዚ ክሲ ውሳነ ቤት ፍርዲ ናብ ራይላ ኣሞሎ ኦዲንጋ ዝወገነ ክኸውን እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ።”

ኦዲንጋ ነቲ ኮምሽን ምርጫ ብገበናት ምርጫን ብልሽው ኣሰራርሓን ይኸስዎ።

"ገበነኛታት ብልሽውና ንሰበ-ስልጣን ምርጫ ጉቦ ብምሃብ እቲ ስርዓት ፀጥታ ካልእ መገዲ ክሕዝ ወይውን ፈፂሙ ክመውት ንምግባር ይፅዕሩ ኣለዉ። ኣብ ስልጣን ዝፀንሕሉን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዘኻዕበትዎ ሃብቶም ካብ ህዝቢ እናሰረቁ ዝቅ፟ፅልሉ ኩነታት ንምድልዳል ተዳልዮም እዮም። አብዚ እዋን ምርጫ ዘጋጠመ'ውን እዚ እዩ።"

ኮምሽን ምርጫን ተዓዋታይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዊልያም ሩቶን ነቲ ናብኦም ዘነፃፀረ ክሲ መልሲ ንምሃብ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራሕ እዩ ዘለዎም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ከምዝበልዎ ኮምሽኖም ሕጊ ተከቲሉ ምርጫ 9 ነሓሰ ምክያዱ ገሊፆም ነይሮም። ሩቶ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ሰሞን ዝረከብዎ ዓወት አብ ቤትፍርዲ ክጣበቁሉ ምኳኖም ገሊፆም።

ኦዲንጋ ኣብ 2017 ንውፅኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝገብርዎ ተቃ፟ውሞ ተዓዊቱ'ዩ። ኣብቲ እዋን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንቴክኒካዊ ጥሕሰታት ሕጊ ጠቂ፟ሱ ነቲ ውፅኢት ብምስራዝ ዳግማይ ኦዲንጋክካየድ ወሲኑ እዩ። ኦዲንጋ ካብቲ ኦዲንጋ ንርእሶም ኣግሊሎም ኡሁሩ ኬንያታ ድማ ንኻልኣይ ጊዜ ፕረዚደንት ኮይኖም ምምራፆም ዝዝከር እዩ።

ካብ ጠበቃ፟ታት ኦዲንጋ ሓደ ዝኮኑ ኦሬንጎ ሎምዘበን ካብ ጥሕሰታት ሕጊ ዝዛየደ ከምዝፅበዩ እዮም ዝገልፁ።

ብፈላመይቲ ጓለንስተይቲ ዳኛ ማርታ ኮሜ ዝምርሑ ሸውዓቲኦም ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ 2021 ዝተሾሙ እዮም። እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ንምሃብ ናይ ክልተ ሰሙን ጊዜ ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG