ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ታንዛኒያ ተኣሲሩ


መራሒ ናይቲ “ቻደማ” ብዝብል ስም ዝጽውዓ፡ ቀንዲ መቀናቕንቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስልፊ ታንዛኒያ፡ ፍሪማን እምብወ - ፋይል
መራሒ ናይቲ “ቻደማ” ብዝብል ስም ዝጽውዓ፡ ቀንዲ መቀናቕንቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስልፊ ታንዛኒያ፡ ፍሪማን እምብወ - ፋይል

መራሒ ናይቲ “ቻደማ” ብዝብል ስም ዝጽውዓ፡ ቀንዲ መቀናቕንቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስልፊ ታንዛኒያ፡ ፍሪማን እምብወ ብፖሊስ’ታ ሃገር ተኣሲሩ። እምብወ፡ ንምምሕያሽ ቅዋም’ታ ሃገር ኣመልኪቱ ህዝባዊ ኣኼባ ክገብር ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዱ። እቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ካብ ከተማ ምዋንዛ ዝተመቝሐ መራሒ ሰልፊ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ኣይተፈልጠን።

ወሃብ ቃል መንግስቲ ታንዛኒያ፡ ንሃለዋት እምብወ ኣምልኪቱ ብጋዜጠኛ ድምጺ ኣሜሪካ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ዝምልከቶ ኣካል ንሱ ዘይኰነስ እቲ ነቲ ስጕምቲ ዝወሰደ ኮሚሽን ፖሊስ ምዋንዛ ምዃኑ ይነግር።

ኣብ እዋን መሪሕነት ሳሚያ ሓሰን እዚ ፈላማይ ማእሰርቲ ላዕለዋይ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ’ዩ ። ንሰን ቅድሚአን ፕረዚደንት ዝነበሩ ጆን ማጋፉሊ ድሕሪ ምሟቶም’የን ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብቲ ዝነበረን ናይ ምኽትል ፕረዚደንት ስልጣን ምሉእ መዝነት ተረኪበን።

ኣብ እዋኑ፡ ካብቲ ቅድሚአን ዝነበረ መሪሕነት ዝተፈለየ መገዲ ክኽተላ ምዃነን ልዑል ተስፋ ተነቢሩ ነይሩ። ማጋፉሊ ኣብ እዋን ስልጣኖም ዘርእዩዎ ዝነበሩ በብይኑ ኣከራኻሪ ስጕምታት ካብ ከቢድ ነቕፌታ ኣይበዀሩን።

ኣባላት ሰልፊ ቻደማ፡ መራሒኦም፡ ብመሓዉር ጸጥታ’ታ ሃገር ከም ዝተጨውየ’ዮም ዝኣምኑ። ካብ ኣባላት ባይቶ’ቲ ሰልፊ ዝዀነ የሪኮ ኔረረ፡ ልሙድ ናይ ፖሊስ ማእሰርቲ እንተ ዝነብር፡ ብመሰረት ሕጊ’ታ ሃገር፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ምቐረበ ወይ ድማ ናጻ ምተባህለ። እቲ መራሒ ልዕሊኡ ምእሳሩ ግን ምልክት ናይ ምጭዋይ ምዃኑ ንድምጺ ኣሜሪካ ይሕብር።

ፖሊስ፡ ዛጊት መኽሰሲ ምኽንያት ዘይምግላጹ፡ ንቕዋምን ሕጊን እታ ሃገር ዘፍርስ ምዃኑ ኔረረ የመልክት።

ተንታኒ ፖለቲካ ምብዋና ዓሊማቱ’ውን፡ እቲ ተግባር፡ ኣብ ፖለቲካ ታንዛኒያ ዘሎ ፍልልያት ሚዛን-ሓይሊ ዘርኢ’ዩ ይብል። ብኣገላልጻ ዓሊማቱ፡ ገዛኢ ሰልፊ ሲ.ሲ.ኤም ከም ድላዩን ብዘይ ፍቓድን እናተኣከበ፡ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ምኽልኻሉ፡ ኣብ ደሞክራሲ’ታ ሃገር ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ይጠቅስ።

ጸሓፊ ሰልፊ ቻደማ፡ ጆን ምንኪያ፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ህልወና መራሒኦም ኣብ ሓጺር እዋን እንተ ዘይሰሚዖም ናብ ፍርዲ ከምርሑ ምዃኖም ገሊጹ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን፡ መንግስቲ ታንዛኒያ፡ ቅዋም’ታ ሃገር ከተግብር ይጽውዑ ኣለዉ። ንግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ዝጣበቕ ትካል ዝነጥፍ ቦብ ማንግወ ሓደ ካብኣቶም’ዩ።

“ብመሰረት ቅዋም ታንዛኒያ፡ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ብዘይ ገደብን ቅድመ-ኵነትን መደባቶም ክሰርዑን ርክባት ከካይዱን ምሉእ መሰል ኣለዎም። ህዝቢ ከመይ ክሓስብ ከም ዘለዎ መንግስቲ ከማእዝን ሓላፍነት የብሉን። ህዝቢ ሓድሽ ቅዋም የድልዮ ኣሎ። ሕጂ ዝርአ ዘሎ ምእሳር መራሕቲን ተራ ዜጋታትን፣ ከምኡ እናበለ’ውን ምጕንዳብ ፖለቲካዊ ክትዓት ኣንጻር መሰረታዊ መትከላት ደሞክራሲ’ዩ።”

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፕረዚደንት ሳሚያ ሓሰን፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበኦ ቃል፡ ንቁጠባ’ታ ሃገር ምስ ኣመሓየሸኦ፡ ንምትዕርራይ ቅዋም ዝምልከት ናጻ ክትዕ ከፍቅዳ ምዃነን ኣመልኪተን ነይረን። ፖለቲካውያን ሰልፍታት ክፉት ዘተ ክግበሩ ምሉእ ድጋፍ ምሃብ’ውን ካብቲ ሽዕኡ ዝተዋህበ ቃል’ዩ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG