ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ንውጽኢት ምርጫ ንሳልሳይ ጊዜ ኣብ ቤት ፍርዲ ይብድሁ ኣለው


መራሒ ሰልፊ ተቃውሞ ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ንሳልሳይ እዋን ንውጽኢት ምርጫ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ይብድህዎ አለው።

እቶም 77 ዓመት ዝዕድሚኦ ራይላ ኦዲንጋ፣ ንውጽኢት ምርጫ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዱ ዘርኢ ምስሊ ዝተሓዋወሰ ግብረ መልሲ ይረክብ ኣሎ።

ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ከላግጹሎም ከለው፣ ካልኦት ግና ንፍትሒ መስርሕ ምርጫ ብዘርእይዎ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ይንእድዎም ኣለው።

ጠበቃ ኦዲንጋ ዝኾነ ፓውል ምዋንጊእቶም ነቀፍቶም ይገብርዎ ዘለው ጌጋ ዝፈጸሙ ሰባት ካብ ተሓታትነት ከምልጡ’ዮም እዮም ዝብሉና ዘለው ይብል።

XS
SM
MD
LG