ዋሽንግተን —
ኣብ ቬንዝዋላ መራሒ ተቓወምቲ ጁዋን ጓይዶን ተቐናቓኒኦም ኣባል ፓርላማ ሉዊስ ፓራን ናይታ ሃገር ኣፈ-ጉባኤ ተዓዋቲ ኢና ክብሉ ይካሰሱ።
ጓይዶ ናብ ውሽጢ ፓርላማ ከይኣተው ተኸልኪሎም ኣለው።ብብልሽውና ዝኽሰሱን ብናይ ሶሻሊስት ፓርቲ መራሒ ኒኮላስ ማዱሮ ዝድገፉን ፓራ 167 መናብር ካብ ዝሓዘ ፓርላማ 81 ድምፂ ብምርካብ ኣፈጉባኤ ኣነ እየ ክብሉ ኣዊጆም ኣለው።
ተቓወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ድማ ብቕልጡፍ ኣብዘካየዱዎ ኣኼባ ጓይዶ 100 ድምፂ ረኺቦም ኣለው።
መራሒ ተቓወምቲ ጁዋን ጓይዶ “ነቲ ውልቀመላኺን ንሃንቀውትኡን ስዒርናዮ ኣለና’’ክብሉ ደጊሞም ንዝመረፁዎም ደገፍቶም መልእኽቲ ኣሕሊፎም።
167 መናብር ዘለዎ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ቨኔዙዌላ ተቓወምቲ ን112 መናበር ተቖፃፂሮም ይርከቡ።