ንሶም ኣብታ ሃገር ብዝተላዕለ ኹናት ሓድሕድ ቕድሚ ክልተ ዓመት ናብ ስደት ዘምርሑ ክኾኑ ከለው ብመሰረት መስከረም 12,2018 ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ሪክ ማቻር ምክትል ፕረዚደንት ሳልቫኬር ኮይኖም ከምዘገልግሉ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ 2013 ኣብታ ሃገር ኹናት ሓድሕድ ካብ ዝለዓል ንደሓር ክልቲኦም መራሕቲ ብሓባር ንምስራሕ ዝፍትንሉ እዚ ሳልሳይ ጊዜ’ዩ።
ሪክ ማቻር ኣብታ ሃገር ዝክበር ናይ ሰላም መዓልቲ ንምስታፍ ጁባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ መራሒት ሃገር ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ፡ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚንስተር ግብጺ ሙስጠፋ ከማል ማድቡለይ ተረኺቦም ምንባሮም ተገሊጹ’ሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኣብታ ሃገር ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንዝወረደ ዕንወት ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ብወግዒ ይቕሬታ ብምሕታት ናይ ሪያክ ማቻር ወሃቢ ቃል ዝነበሩን ሞት ዝተፈረዶምን ጄምስ ጋትዴት ካብ ማእሰርቲ ፈቲሖም። ካብቶም ዝተፈትሑ ካልእ ናይ ማቻር ኣማኻሪ ፀጥታ ዝነበሩን ብኽስታት ስለያ ብማሕነቕቲ ክቕተሉ ዝተፈዶም ጆን ኤንድለይ ይርከብዎም።
ፕረዚደንት ኪር ዳግም ንዝተመሓየሸ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ንምኽባር ንዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ‘’ከም ፕረዝዳንትኹም ኣብ ክንዲ ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ግጭት ይቕሬታ ይሓትት ኣለኹ’’ኢሎም ።
‘’ንርእስና መራሕቲ ኢልና ንወስድ ብሓባር ሓላፍነት ክንወስድን ናብ ኲናት ንዘይምምላስ ንህዝብና ቃል ክንኣትው ኣለና’’ እውን ኢሎም።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ብዝተኻየደ ኩናት ሓድሕድ ኣስታት 400,000 ሰባት ምሟቶምን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ጸብጻባት ዝተፈላላዩ ትካላት ይሕብሩ።