ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ተቃዋሚ ኡጋንዳ 'ተዓዊተ' ይብል


"መራሒ ተቃውሞ ኡጋንዳ ባቢ ዋይን፣ ፕረዚደንታዊ መረጻ ሰፊሕ ጉድለት ተፈጺምዎ ኣሎ" ድሕሪ ምባሉ፣ ሰራዊት’ታ ሃገር ንመንበሪኡ ከቢቦምዎ። ዋይን ተዓዊተ ኣለኹ ኢሉ ንባዕሉ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ክብል ይጽውዕ ጀሚሩ። መባእታዊ ውጽኢት መረጻ ግና ሙሰቨኒ ብ65 ሚእታዊ ይመርሑ ከምዘለው ኣርእዩ ኣሎ።

ባቢ ዋይን"ርግጸኛ እየ፣ ነዚ መላኺ ብሰፊሕ ብልጫ ስዒርናዮ ኣለና። ኩሎም ኡጋንዳዊያን ንጸለመ ክነጽጉ ይጽውዕ ኣለኹ። ጀነራል ሙሰቨኒን ጉጅልኡን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኡጋንዳ ንክዕልሉ እንደገና ይፍትኑ ኣለው" ይብል።

"መንግስታዊ ሰበ ስልጣን ክሓብእዎ ዝደልይዎ ነገር ዘየለ እንተኾይኑ ስለምንታይ ዳኣ’ዮም ንኣገልግሎት ኢንተርኔት ካብ ረቡዕ ጀሚሮም ዓጽዮምዎ?" ኢሉ’ውን ይሓትት።

ወሃቢ ቃል ኮምሽን መረጻ ኡጋንዳ ብወገኑ "ምስ ግምትታን ጠቀነታትን ጉዳይ የብልናን። ሓፈሻዊ ውጽኢት ወግዓዊ ኣይገበርናን፣ ከምኡ ኮይኑ’ውን ይብድሁና ኣለው። ስለዚ፣ ስራሕና ንቀጽል ዝቃወም ኣሎ እንተኾይኑ ክኸሰና ይኽእል" ኢሉ ሎ::

ቅድሚ’ቲ መረጻ መግለጺ ዘውጸአ ሕቡራት ሃገራት፣ ብሰንኪ ህውከት፣ መግሃስታትን ኣብ ልዕሊ ተቃወምቲን ደገፍቶምን ዝተነበረ ድረታን፣ እቲ መረጻ ናጻን ርትዓዊን ኣይኾንን ኢሉ ነይሩ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኡጋንዳ፣ 75 ተዓዘብቱ ፈቃድ ክረኽቡ ንዘቅረቦ ሕቶ ብሰበ ስልጣን ኡጋንዳ ድሕሪ ምንጻጉ፣ ነቲ መረጻ ከይተዓዘበ ተሪፉ እዩ።

XS
SM
MD
LG