ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ሰራልዮን ዝነበረ ኤርነስት ኮሮማ ብብልሽውና ተኸሲሱ


መራሒ ሰራልዮን ዝነበረ ኤርነስት ኮሮማ ብብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቅድሚ ኮሚሽን ጸረ ብልሽውና ክቐርብ ተኣዚዙ።

ን10 ዓመታት ንሰራልዮን ዝመርሐ ኮሮማ፥ ምስ ዕደና፡ ህንጻን ምሃብ ኩንትራትን ብዝተኣሳሰር`ዩ ሕቶታት ክምልስ ተደልዩ። እቲ መስርሕ ምጽራይ፥ ኣካል ናይቲ ንዕኡ ዝተከአ ፕረዚደንት ጁሊየስ ቢዮ ዝወስዶ ዘሎ ኮይኑ መን`ዩ ጠንቂ ውድቀት ኤኮኖሚ ሰራልዮን ንምፍላጥ ዝግበር ጻዕሪ`ዩ።

ሕጂ ምስ ኮሮማ ብዝተሓሓዝ ብልሽውና ካልኦት 100 ዝኾኑ ሰበ-ስልጣን ካብታ ሃገር ከይወጹ ተኸልኪሎም ኣለዉ።

ኮሮማ ዝመርሖ ኮንግረስ ፓርቲ ይግባኝ ከም ዝብል ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG