መራሒ ሓይልታት ትግራይ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምፅናት ዘርኢ ከሲሶም።ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምስ መደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ኣብዘካየድዎ ናይ ስልኪ ቃለ ምልልስ ፌደራል መንግስትን መሻርኽቱ ኤርትራን ገበናት ምፅናት ዘርእን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ገበናት ብምፍፃምን ብምኽሳስ ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ "ወረርቲ ሓይልታት’’ ኢሎም ዝፀውዕዎም ፀቕጢ ክገብሩ ፀዊዖም።
ንሶም ኣብቲ ዝውቱር ዘይኮነ ምስ ሲኤንኤን ዘካየዱዎ ቃለ ምልልስ ንዝተፈፀመ ቕትለት፣ፆታዊ ዓመፅን ህውከትን ብነፃ ወገን ክምርመር ወሲኾም ፀዊዖም።
"ኣብዛ ሃገር ንህዝብና ይቐትሉዎ ኣለው፤ ንህፃናት፣ ዕድመ ከይፈለዩ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኣካል ማሕበረሰብ ፆታዊ ዓመፅ ይፍፅሙ ኣለው’’ ኢሎም።
ንሶም ኣብቲ ቃለ ምልልስ"ኣብዚ ዞባ፣ኣብዛ ሃገር ሰላም ንደሊ ኢና፤ ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ጭፍጨፋን ዕንወትን ጠጠው ንምባል ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወፁ ኣሜሪካ ክትደፍእ ንደሊ ኢና’’ ኢሎም ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ናይ ኣምሓራ ሓይሊ ካብ ትግራይ ክወጹ ኣሜሪካ ንዘቕረበቶ ሕቶ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ትኣትው ኣላ "ዘሕዝን’’ እዩ ክብል ትማሊ ሶኑይ መግለጺ ምሃቡ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣምነስቲ ዘውፅኦ ጭፍጨፋ ወታሃደራት ኤርትራ ተሳቲፎም ንዝብል ክሲ ነፂጉዎ ኣሎ።