ዋሽንግተን —
ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተዓልወት መራሒት ማይንማር ነበር ሳን ሱኪ ካብ ዝቐረበላ ብርክት ዝበለ ናይ ብልሽውና ክስታት ብሓደ ገበነኛ ዝብል ብይን ተዋሂብዋ። በዚ ድማ ንሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ`ላ። እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ጠበቓታት`ውን ንመሓውራት ዜና ክዛረቡ ኣይተፈቕደሎምን።
ሳን ሱ ኪ፡በቲ ወተሃደራዊ ጁንታ 600 ሺሕ ዶላርን 11 ኪሎ ወርቅን ብላዕ ተቐቢላ ዝብል ከምኡ'ውን ብዝተፈላለየ ገበናዊ ክስታት ተመስሪትዋ`ዩ። ብኹሉ ክስታት ገበነኛ እንተተባሂላ፡ ክሳብ 100 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክብየነላ ይኽእል`ዩ።
ሳን ሱ ኪ ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ማይንማር ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምቅዋማን፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ድሕሪ ምእሳራን ኣብ 1991 ሽልማት ኖቤል ሰላም ምሽላማ ይዝከር።