ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒት ማይንማር ነበር ሳን ሱ ኪ ብገበን ብልሽውና 5 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ


መራሒት ማይንማር ነበር ሳን ሱ ኪ -ፋይል
መራሒት ማይንማር ነበር ሳን ሱ ኪ -ፋይል

ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተዓልወት መራሒት ማይንማር ነበር ሳን ሱኪ ካብ ዝቐረበላ ብርክት ዝበለ ናይ ብልሽውና ክስታት ብሓደ ገበነኛ ዝብል ብይን ተዋሂብዋ። በዚ ድማ ንሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ`ላ። እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ጠበቓታት`ውን ንመሓውራት ዜና ክዛረቡ ኣይተፈቕደሎምን።

ሳን ሱ ኪ፡በቲ ወተሃደራዊ ጁንታ 600 ሺሕ ዶላርን 11 ኪሎ ወርቅን ብላዕ ተቐቢላ ዝብል ከምኡ'ውን ብዝተፈላለየ ገበናዊ ክስታት ተመስሪትዋ`ዩ። ብኹሉ ክስታት ገበነኛ እንተተባሂላ፡ ክሳብ 100 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክብየነላ ይኽእል`ዩ።

ሳን ሱ ኪ ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ማይንማር ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምቅዋማን፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ድሕሪ ምእሳራን ኣብ 1991 ሽልማት ኖቤል ሰላም ምሽላማ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG