ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሪሕነት ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም


ኣብ ኤርትራ መዋፈሪኡ ጌሩ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት)፡ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዕጥቃዊ ቃልሲ ደው ምባሉ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ልኡኻት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ድሕሪ ምዝታይ፡ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ቃልሱ ብሰለማዊ መንገዲ ንምቕጻል ምዃኑ ዋና-ጸሓፊ ደምህት ኣቶ ግደይ ኣሰፋ ንሬድዮ ፋና ገሊጹ`ሎ።

ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሚንስተር ዲኤታ ዶ/ር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ንመሪሕነት ደምህት ኣቀባብላ ጌሮምሎም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG