ኣብ ሕዳር 22:2005 ቀዳመይቲ ጓለኣንስተይቲ ቻንስለር ጀርመን ብምዃን ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዝተመዝገበት ኣንገላ መርከል፡ ኣብ ዝሓለፈ 16 ዓመት መሪሕነታ`ውን ንሽምን ጽልዋን ጀርመን ኣብ ምብራኽን ነቲ ተመቐቓላይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሓደ ንኽጸንሕ ኣብ ምግባርን ሽም ኣትሪፋ`ያ። ከምኡ`ውን ንቅልውላዋት ኣብ ምምሕዳር፡ ንደቀኣንስትዮ ኣብነት ኮይና።ሕጂ ግን ካብ ስልጣና ትሰናበት ኣላ።
ንጀርመን ን16 ዓመታት ድሕሪ ምምራሕ ኣብ መበል 67ዓመት ዕድሚኣ`ያ ካብ ስልጣን ትወርድ ዘላ ኣንገላ መርከል፡ብውሽጥን ብወጻእን ሞገስ ኣይተነፍጋን።
ምህርቲ ሳይንስ ኣብ ኮሚንስት ምብራቕ ጀርመን ዝዓበየት ቻንስለር መርከል፡ ዘገልገለቶ ንውሓት ግዜ፡ ዳርጋ ማዕረ`ቲ ሓደ እዋን መምህራ ዝነበረ ካብ 1982-1998 ንጀርመን ብምውህሃድ ዝፍለጥ ሀልመት ኮል`ዩ።
ብማእከል፡የማናይ ክንፊ ክርስትያን ደሞክራት ኣተሓሳስባ ትግለጽ መርከል፡ ምናልባት ሓደ ሕላገታ ዝብሃል ነገር ዝተርፋ`ኳ እንተኾነ፡ ዘይትጽዓድ ኣማሓዳሪት ቅልውላውን ተጣባቒት ምዕራባዊ ክብርታትን ኮይና ተራእያ`ያ።
መርከል፡ ኣብቲ ናይ 16 ዓመት ዘመን መሪሕነታ ምስ ኣርባዕተ ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንትታት፡ ኣርባዕተ ናይ ፈረንሳ፡ ሓሙሽተ ናይ ብሪጣንያ ቀዳሞት ሚንስተራት፡ ከምኡ`ውን ምስ ሸሞንተ ናይ ኢጣልያ ቀዳሞት ሚንስተራት ሰሪሓ።
ቻንስለር መርከል ኣብቲ እዋን መሪሕነታ ኣርባዕተ ዓበይቲ ብድሆታት ኣጋጢሞምዋ፡፡ ዓለማዊ ፋይናንሳዊ ቅልውላው፡ ቅልውላው ለቓሕ ኤውሮጳ፡ ናይ 2015/2016 ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ፡ ከምኡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ።
ምኽትል ዳይሬክተር ማርሻል ፈንድ ጀርመን ሱድሃ ደቪድ-ዊልፕ "ንጀርመን ብዙሕ ሶፍት ፖወር ማለት ጽቡቕ ምስሊ ኣውሂባታ`ያ" ይብል ።ኣስዒቡ "ብዘይ ጥርጥር ንምስሊ ጀርመን ኣብ ዓለም ኣበሪኻቶ`ያ" ይብል ።
እዚ ተንታኒ ኣንገላ መርከል ናብ መሪሕነት እንተዘይትመጽእ እቲ ብዙሓት ኣብ ኤውሮጳ ዝሓትዎ ዝነበሩ ጀርመን ኣብ ዓለም ዝያዳ ተራ ክትጻወት ዝብል ሕቶ ኣይምተራእየን ኔሩ ይብል።
መርከል፡ ሩስያ ንክረሚያ ብምጉባጣን፡ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ንዝቃለሱ ዕጡቓት ብምሕጋዛን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊኣ ማዕቀብ ንክግበር ዝደፍአት ሓይሊ`ያ ኔራ። ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ክመጽእ`ውን ክትመርሕ ዝጸንሐት`ያ። ንምዕራብ ወኪላ ምስ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ልዝብ ክትገብር ዝኸኣለት`ያ ብምባል`ውን ደቪድ ዊልፕ የድንቓ።
ዝሓለፈ ሰሙን ንኽብራ ኣብ ዝተዳለወ ወተሃደራዊ ሰልፊ ክትዛረብ ከላ፡ ዓለማዊ ጸገማት ሕብረ-ሃገራዊ ፍታሕ ከምዘድልዮ ብምግላጽ፡ ዓለማዊ ፋይናንሳዊ ቅልውላውን ዋሕዚ ስደተኛታትን ክፍታሕ ዝኽእል ካብ ዶባት ዝሰገረ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ምዃኑ ንጹር ጌርዎ`ዩ ኢላ።
መራሒት ጀርመን ቻንስለር ኣንገላ መርከል፡ ኣብ መርገጺ ለውጢ ክሊማን ማይግረሽንን ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ተሪር ኣፈላላይ ኔርዋ። ኣብ 2017 ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝነበሮም ቀዳማይ ርክብ፡ ሰኣልቲ ብኢድ ተጨባበጡ እናበሉ ምስ ጨደሩ፡ መርከል ቀስ ኢላ "ናይ ኢድ ሰላምታ ክንውህሃብ ትደሊ`ዶ" ኢላ ሓቲታቶ። ካብ ትራምፕ ግን መልሲ ኣይነበረን፡ ትኽ ኢሉ ንቕድሚት ምጥማት ቀጺሉ።
ኣብቲ እዋን መርከል 'መራሒት ናጻ ዓለም` ዝብል ሽም ክለግባ ኣይደለየትን። መሪሕነት ንሓደ ሰብ ወይ ንሓንቲ ሃገር ጥራሕ ዝውሃብ ኣይኮነን ብዝብል ነቲ ኣበሃህላ ነጺጋቶ።
እንተኾነ ኣብቲ 27 ሃገራት ዝሓቖፈ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ኣገዳሲት መራሒት`ያ ትርኣይ ኔራ፡ብፍላይ ኣብቲ ማራቶናዊ ቅልጣፈ ዝነበሮ መደባት ልዝብ ሕብረት ኤውሮጳ።
ቀዳማይ ሚንስተር ሉክዘንበርግ ጃቪየር በተል "ሚስ መርከል ኣሰማማዒት ማሺን`ያ" ኢልዋ ።"ልዝባት ክዕጾ ከሎ መብዛሕቲኡ ግዜ ከወሃህደናን ንቕድሚት ከሰጉመናን ዝኽእል ሓሳብ ተምጽእ" ክብል`ውን ገሊጽዋ።
ኣብ መወዳእታ ዝተሳተፈትሉ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተዛረበ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ`ቲ ሕብረት ቻርለስ ሚሸል ፡ "ንስኺ ሓወልቲ ኢኺ፡ ንስኺ ዘይብሉ ዋዕላ፡ ከምዚ ሮማ ብዘይ ቫቲካን፡ ወይ ፓሪስ ብዘይ ኤፊል ታወር`ዩ" ክብል ገሊጽዋ።
መርከል ብወገና፡ ብዙሕ ዘዐወትናዮ ነገራት`ኳ እንተሎ፡ ብዙሕ ዘይተወድአ ስራሓት፡ ነዚ ዝትክኣኒ ዘሎ መራሒ ይገድፈሉ ከምዘለኹ`ውን እርድኣኒ`ዩ ኢላ።
ንመርከል ተኪኡ ንጀርመን ዝመርሕ `ኦላፍ ሾልዝ` ይብሃል፡ ጽባሕ ረቡዕ ቃለ-ማሕላ ክፍጽም`ዩ።
ናቱ ልፍንታዊ ፓርቲ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ድስካለ፡ ንጀርመን ዝያዳ ዕብየት ክንደልየላ ኢና ኢሉ`ሎ።
መርከል ከምቶም ቅድሚኣ ዝነበሩ ሸውዓተ መራሕቲ ጀርመን ዘይኮነስ ኣብ ዝመረጸቶ ግዜ እያ ስልጣን ትገድፍ ዘላ።
ቻንስለር ኣንገላ መርከል፡ንተኸታታሊ ሸውዓተ ዓመታት "ናይ ዓለምና ዝሓየለት ሰበይቲ" ተባሂላ ተጸዊዓ ብመጽሔት ፎርብስ።
ብፕረሲደንትታት ኣመሪካ ዝነበሩ ባራክ ኦባማን ጆርጅ ቡሽን`ውን ተናኢዳ`ያ፡ ኦባማ ንኣዋልድን ኣወዳትን ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ በዳሂ ኩነታት ኣብነት ክብላ ኸሎ፡ ቡሽ ድማ ክትመርሕ ዘይተፈርሕ ክብል ገሊጽዋ።
ን16 ዓመታት ንጀርመን ዝመርሐት ጓል 67 ዓመት ቻንስለር ኣንገላ መርከል፡ ብዙሕ ናእዳታት ኣትሪፋ ጽባሕ ረቡዕ ካብ ስልጣና ትሰናበት ኣላ።