ዋሽንግተን —
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም “ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዛዕባ ትግራይ ዝዛረብ መራሒ ሃገር ዘይምስማዖም ንኣድልዎ ሕብሪ ቆርበት ዘርኢ’ዩ:” ክብሉ መረረኦም ገሊጾም።
ወሃቢት-ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድማ ንመግለጺ እቶም ዋና ዳይረክተር “ዘይሓላፍነታዊ” ክብላ መሊሰን ኣለዋ።