ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣርቲፊሻል ዶብ`ዩ ምስ ዝብል ኣበሃህላ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ እሰማማዕ`የ ይብል


ቀዳማይ ሚንስትር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ሶኑይ ካብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሕቶታት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኣቐዲሙ ብፓርላማ`ታ ሃገር ተቐባልነት ዝረኸበ ውዕል ኣልጀርስ ምትግባር ናይ መንግስቱ ሓላፍነት ከምዝኾነ ኣስሚርሉ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎን ዝህሉን ዶብ ኣርቲፊሻል ምዃኑን፡ ንዓለማዊ ሕጊ ምትግባር ንሓድነትን ሕውነትን ህዝብታት ሃገራት ምጽባእ ከምዘይኮነን`ውን ገሊጹ።

ብዛዕባ`ዚ ኣበሃህላ ካብ ከባቢ ኽልል ትግራይ ርእይቶ ንምስማዕ ፡ ናብ መቐለ ብምድዋል፡ ንኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ፡ ኣብ ዪኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ስትራተጂካዊ መጽናዕትን ኣዘራሪብናዮ’ለና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG