ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መምህራን ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት’ቲ ክልል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም


መምህራን ክልል ኣምሓራ ሎሚ ዓርቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።እቶም መምህራን ወሰኽ መሃያ፣ካልኦት ጥቕምታትን ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም ኣለው።ናይቲ ክልል መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክልልን ፌደራልን ተዘራሪቡ ምላሽ ከምዝህብ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብ ከተማታት ባህርዳር፣ደብረ ታቦር፣ደብረማርቆስ፣ደሴን ካልኦት ከተማታት ዝርከቡ መምህራን ናይ ተቓውሞ ድምፆም ከስምዑ ውዒሎም ኣለው።

ሕቶኦም ወሰኽ መሃያን ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ሓዊሱ 46 ጠለባት ዝሓዘ እዩ።ኣቦ መንበር ማሕበር መምህራን ከተማ ባህርዳር መስፍን ኣመሸ ኣየለ ዕላማ ናይቲ ተቓሞ ሰልፊ ከምዚ ክብሉ የረድኡ።

“በብእዋኑ ንመንግስቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታት እንተቕረብና እውን ዋላ ሓደ ምላሽ ብዘይምርካብና ኢና ሎሚ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክነካይድ ዝተገደድና።”

ኣቶ መስፍን ብተወሳኺ እዚ ሰልፊ ኣብ 15 ዞባታት፣ኩለን ወረዳታትን ከተማታትን ክልል ኣምሓራ ክካየድ ከምዝውዓለ እውን ገሊፆም።

ሰልፈኛታት ክፍሊት መምህራን ካብ ክልል ናብ ክልል ክፈላለ የብሉን፣ዕብየት ደረጃ ብእዋኑ ኣይንረክብን ዘለና፣ዓውዲ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ብፖለቲካ ብሞያ ይመራሕ ዝብሉ ጭርሖታት የስምዑ ነይሮም።

ንሕቶ ምምህራን ዝተቐበሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ዘለኣለም ልጃለም ከምዚ ኢሎም።

“ዘልዓልኩምዎም ኣስታት 47 ሕቶታት፡ነቲ ክልል ዝምልከት ናይቲ ክልል ዝለዓለ መሪሕነት ተዘራሪቡ ምላሽ ክህበኩም እዩ።ናብ ፌደራል ዘቕረብኩምዎም ሕቶታት እውን እቲ ክልል ምስ ፌደራል ብምዝርራብ ፍታሕ ንምምፃእ ፃዕሪ ከምዝገብር ክገልፀልኩም እደልይ።”

ብተመሳሳሊ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ መምህራን ከተማ ደሴ እውን ድምፅና ይሰማዕ ክብሉ ሎሚ ሰልፊ ኣካይዶም።

ናይ ምማህራን ኣካዳሚያዊ ናፃነት ይታሓሎ፣ሃገር ፅፈት ብዘለዎ ትምህርቲ ክትህነፅ እያ ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ሒዞም ከምዝነበሩ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ደሴ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG