ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መምሃራን ሱዳን ንኣዋርሕ ዝኸደ ኣድማ ይቕጽሉ


ፋይል
ፋይል

መምሃራን ኣብያተ-ትምህርቲ መንግስቲ ሱዳን ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም፡ ወሰኽ ደሞዝ ክግበር ብዝብል ጠለብ ስራሕቶም ደው ኣቢሎም ከም ዘለዉ ናብ ሱዳን ዝተጓዕዘ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

እቶም ተደጋጋሚ ናይ ስራሕ ምቍራጽ ዝገበሩ መምሃራን ኣብ ገሊኡ እዋን ስሩዕ ደሞዞም’ውን ከም ዘይቅበሉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ከም ሳዕቤኑ ድማ መብዛሕትኡ ኣብያተ-ትምህርቲ ባዲሙን ጥራሑን ይርአ።

ናይ መንግስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ በቲ ኣድማ ተጸልየን ስራሓተን ደው ከብላ እንከለዋ፡ ናይ ውልቂ ግን ኣየቋረጻን። እዚ ድማ ድሒሩ ዓቢ ጋግ ክፈጥር ምዃኑ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወገናት ይምጉቱ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ሱዳን ጂብሪል ኢብራሂም፡ መንግስቲ ዕብየት ባጀት ገይሩ ንደሞዝ መምሃራን ከም ዝኸፈል ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ከም ኣገላልጻ እቲ ሚኒስተር ጠለባት እቶም መምሃራን ተማሊኡን ወሰኽ’ውን ተገይሩን’ዩ። እቲ ጉዳይ ግን ፖለቲካዊ መልክዕ ምሓዙ ይግለጽ።

ኣብ ካርቱም ንዝሰርሑ መምህራን ደሞዝ ተኸፊሉ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ካልኦት ወገናት ግን ገና’ዩ ዘሎ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እቲ ኣድማ ይቕጽል ምህላው ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ካርቱም ዝለኣኾ ጸብጻብ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG