ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መመንጨዊ ሓይሊ ኑክሌር ዩክሬን ዛፖሪዚዚያ ብግዚያዊነት ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቛረፀ ተሓቢሩ


ንሰሙናት ኣብ ክባ ዝርከብ መመንጨዊ ሓይሊ ኑክሌር ዩክሬን ዛፖሪዚዚያ ትማሊ ሓሙስ ብግዚያዊነት ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቛረፀ ኣሳላጢ ፀዓት ናይታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስታዊ ኣካል ናይቲ ምቑራፅ ምኽንያት ተግባር ናይቶም ወረርቲ እዩ ክብል ንሩሲያ ከሲሱ ኣሎ: ወሲኹ እቲ ምቑራጽ ሓይሊ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ ጊዜ እዩ ተፈጢሩ ዘሎ ይብል ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ናይ ጨረር ጥፍኣት ንምውጋድ ሩሲያ ካብቲ ናይ ኒኩሌር መመንጨዊ ክትስሕብ ማሕበረሰብ ዓለም ድፍኢት ክገብር ትማሊ ሓሙስ ፀዊዖም። ንሶም ወሲኮም ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንዩክሬን ሰለስተ ቢሊዮን ዶላር ብባንኪ ዓለም ኣቢሉ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ብድምር ናይ ሽዱሽተ ቢሊዮን ዶላር ፓኬጅ ረድኤት ምሃቦም ኣመስጊኖምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG