ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መልከፍቲ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝበዝሓ ዘሎ ኣፍሪቃ መጠን ክታበትን ይውስኽ ኣሎ


ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቍጽሪ ሓደስት መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ ኣፍሪቃ ይዓቢ ደኣ ይሃሉ እምበር፡ ናብቲ ኣህጉር ዝስደድ ዘሎ መጠን ክታበት’ውን ብ12 ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ናብ ኣፍሪቃ ዝተላእከ መጠን ክታበት ኮቪድ-19 ድማ ናብ 91 ሚልዮን’ዩ።

ኣፍሪቃ ብሳልሳይ እብረ ለብዒ ቫይረስ ኮሮና ትጥቃዕ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዝሒ ሓደስቲ መልከፍቲ ብ19 ሚእታዊት ዓብዩ። እዚ ማለት ከኣ ካብ ቅድሚኡ ሰሙን 278-ሽሕ ሓደስቲ መልከፍቲ ምውሳኽ ማለት’ዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝጸብጸቦ’ውን ብዝሒ ብሰንኪ’ዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰሙን 6,400 ተመዝጊቡ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ በዚ ለበዳ ሞይቶም ዘለዉ ዜጋታት ድማ ናብ 172-ሽሕ ዓብዩ ኣሎ።

ነቲ ሕማቕ ወረ ዝድብስ ካልእ ዜና ግን ኣሎ። ናብ ኣፍሪቃ ዝለኣኽ ዘሎ መጠን ክታበት ብ12 ዕጽፊ ከም ዝዓበየ፡ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ክፍሊ ኣፍሪቃ፡ ሓላፊት ምውህሃድ ክታበት፡ ፊዮና ኣቱብወ ትገልጽ።

“ሓደ ነገር ግን ንጹር ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ 1.3 ቢልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኣህጉር ኢና ንዛረብ ዘለና። እዚ ከኣ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ’ዩ። መልከፍቲ ፈልቂ ቫይረስ ደልታን ቅልጡፍ ለብዒን ተወሲኹዎ፡ ኣፍሪቃ ገና ኣብ ሓደገኛ ኵነት’ያ ዘላ። ክሳብ ሕጂ 2% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ጥራይ’ዮም ተኸቲቦም ዘለዉ፡ እዚ ከኣ ተሪፉ ዘሎ ስራሕ ዓቢ ምዃኑ ዘርኢ’ዩ።”

ካብ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ዝተዋጽኡ ክታበት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ካብ ዓዲ-እንግሊዝ ናብታ ኣህጉር ክለኣኹ ምዃኖም ከኣ እታ በዓልቲ-ሞያ ወሲኻ ተረድእ። ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ብመገዲ ኮቫክስ ኣቢሉ ናብ ኣፍሪቃ ዝለኣኽ መጠን ክታበት 110 ሚልዮን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።

ድሕሪ መስከረም፡ ኣብ መንጎ ኮቫክስን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ክልተኣዊ ውዕል ክህሉ ብምዃኑ፡ መጠን ክታበት እታ ኣህጉር፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ናብ 30 ሚእታዊት ክዓቢ ትጽቢት ከም ዝግበር ፊዮና ኣቱብወ ትገልጽ። ኣቱብወ ወሲኻ፡ እዚ ክኸውን ግን፡ ኣብ መንጎ ኮቫክስን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ብዝህሉ ስምምዕ መጠን ክታበት ናብ 250 ሚልዮን ክበጽሕ ምስ ዝኽእል’ዩ።

ኣቱብወ እቲ ቀንዲ ፍታሕ ግን ክታበት ኣብ ኣፍሪቃ ክፈሪ ምስ ዝጅምር’ዩ--ትብል። ከም ሴነጋል፡ ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ሞሮኮን ግብጺን ኣብ ውሽጢ ሃገረን ከፍርያ ዓቕሚ ከም ዘለወን ከኣ ተረድእ። እዚ ንክኸውን ግን እቲ መሳርሒታት ክታበት ናብ ኣፍሪቃ ምስ ዝግዕዝን ግዜያዊ ናይ ምፍራይ ፍቓድ፡ ብወገን ወነንቲ ትካላት፡ ምስ ዝህሉን’ዩ።

XS
SM
MD
LG