ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መልእኽቲ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኹናት ክልል ትግራይ


ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሚሸል ባችለት
ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሚሸል ባችለት

ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሚሸል ባችለት ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ‘ነቲ ብናህሪ የንቆልቁል አሎ ዝበለኦ ኩነተ ክልል ትግራይ’ ከምዘተሓሳሰበን ጠቂሰን።

ንሰን "ሰራዊት ክልል ትግራይን ሰራዊት ፌደራል መንግስቲን፣ ነቲ ዝጀመርዎ ውግእ እንተቀጺሎም፣ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸውን እዩ፣ ከቢድ ሞትን ጥፍኣት ንብረትን፣ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ዶብ ሰገርን ምፍንቃልን ስደትን ክውስኽ እዩ"ኢለን።

ጠንቂ እቲ ኣብ ማይካድራ ተፈጺሙ ዝባሃል ጅምላዊ ቅትለት ንጹር ሓበሬታ ኣይተረኸበን ዝበላ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሙሉእ መስርሕ ምጽራይ ንክካየድ ጸዊዔን።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ኣብ’ቲ ውግእ ይሳተፉ ብዘለው ወገናት ኮነ ተባሂሉ ተፈጺሙ እንተኾይኑ ፣ ብገበን ኩናት ዘሕትት ከምዝኾነ ገሊጸን።

ናብ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘሕለፈኦ መልእኽቲ ‘ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ውግእ ተዓዋቲ ኣይህሉን፣ ስለዚ ከይደንጎዩ ንኣፈላላዮም ብልዝብ ንክፈትሑ’ ኣዘኻኪረን።

ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሚሸል ባችለት ክቅጽል ዝኽእል ኲናት፣ ንትግራይን ኢትዮጵያን ኣዕናዊ ውጽኢት ከስዕበለንን፣ ዓመታት ንዝተመዝገቡ ምዕባለታት ንድሕሪት ከምዝመልስን’ውን ጠቂሰን። ካብኡ ዝኸፍአ ኢለን ሚሸል ባችለት ‘እቲ ህውከት ናብ ጎረባብቲ ክልሕኹን ንመላእ እቲ ዞባ ክዘርግን ይኽእል እዩ’ ከምዝበላ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG