ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መልእኽቲ ትዊተር ሚ/ጉ/ወጻኢ ኢትዮጵያ: ሚንስትር ዜና ኤርትራን ኣቶ ጌታቸው ረዳን


ፋይል
ፋይል

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ "ሰራዊት ኤርትራ፣ ብግንባር ራማ፣ ጾሮና፣ ዛላምበሳን ዳሎልን፣ መጥቃዕቲ ንምፍናው ይቀራረቡ ኣለው። ሙሉእ መዓልቲ ንከባቢታት ዓዲግራት ብከቢድ ብረት ደብዲቦምዋ ኣለው። ሰራዊትና ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ምስ ጥሙር ሰራዊታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምዕራባዊ ግንባር ይዋጋእ ኣሎ" ኢሎም።

ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገ/መስቀል ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ "ህወሓት፣ ቀንዲ ዕላምኡ ንፌደራላዊ መንግስቲ ምፍራስ ኮይኑ ኣሎ። ናይ ምዝራግ ዕላምኡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ምምጻእ’ውን ዝሓውስ እዩ። ቅድም ኢሉ ዝፍለጥ ስለዝኾነ ዘሰምብድ ነገር ኣይኮነን። ሓድሽ ዝተወሰኸ ነገር እንተሎ ኮይኑ ግና ቁጠባዊ ሸርሕቲታት፣ ከም ኣልሸባብን ሸኔን’ውን ምጥቃም ዝብሉ እዮም"ኢሎም።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ መሬት ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ኢትዮጵያዊያን ድማ፣ ንነፍሲ ወከፍ መሬት ትግራይ ይውንኑ። ትግራይ፣ ደጊም ንፈጠርቲን ራዕዲን ንህወሓትን መሕብኢት ኣይክትኸውንን" ይብል።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ሰብኣዊ ረድኤት ተዘሪፉ’ ዝብል ዝኾነ ሓበሬታ ኣኽቢዱ ከምዝርእዮን እቲ ኣባሃህላ ክጻረ ከምዝግበኦን ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ "ህወሓት፣ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ሰራዊቱ የውዕሎ ኣሎ" ክብል ምኽሳሱ ዝዝከር እዩ። ኣመኻሪ ቀ/ሚ’ታ ሃገር ዝኾኑ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ተዋጋእቲ ሰራዊት ትግራይ፣ድሕሪ ውግእ ገዲፎምዎ ዝኸዱ ዝተባህለ ምልክት ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ዝጥቀመሉ ክሻ ኣብ ትዊተር መልእኽቶም ከምዝዘርግሑ’ውን ይፍለጥ። እንተኾነ ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ነቲ ዝተጠቀሰ ስእሊ ኣይተጠቀመሉን። ረድኤት እኽሊ ብተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ጥቅሚ ምውዓል ግና ዝኹነን እዩ ኢሉ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኲናት ደው ክብልን ጻዕርታት ሰላም ንክቕጽልን ብዝብል ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ቀጺላ ዘላ ኣመሪካ፡ ነቲ ጻዕራ ንምሕያል ፍሉይ ልኡኽ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምልኣኻ ካብ ተፍልጥ መዓልታት ተቖጺሩ`ሎ።

ይኹን`ምበር ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዎም ካብ ወገን ኣመሪካ፣ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ካብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ስለዘይተዋህበ ብዛዕባ’ቲ ዑደት ብዙሕ ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

XS
SM
MD
LG