ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መህደሚ ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ


ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ማይዓይኒ
ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ማይዓይኒ

ረፉጂስ ኢንተርናሽናል (Refugees International) ዝተባህለ ተሓላቒ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ትማሊ 3 መጋቢት ሓደ ጽሑፍ ዘርጊሑ ነይሩ።

ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል (Refugees International) ኲናት ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ኵለንትናዊ ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራታት፡ ብሕልፊ ድማ ኣብ ሰብ ዝወረደ ዕንወት ድሕሪ ምዝርዛር፡ ልዕሊ ኵሉ ተሓላቒ ኣካል ዘይብሎም ኢሉ ብፍሉይ ዘለለዮም ግን ኣብ በበይኑ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ዮም። እቲ ጽሑፍ ከም ዝጠቕሶ፡ ዓለምለኸ ትካላት ከምእኒ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ነቶም ካብ ግፍዒ ሃዲሞም ዝመጹ ስደተኛታት እኹል ድጋፍ ክገብረሎም ከም ዘይከኣለ የመልክት። ኣብ ክንድኡ እኳ ደኣ ይብል እቲ ጸብጻብ፡ ብበይኖም ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻ ትግራይን ግዳይ መጭወይቲ፡ ኣደዳ ጥሜትን ምክልባትን ኰይኖም።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝጠቕሶ፡ ብሕልፊ እኳ ድሕሪ ወርሒ ሓምለ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ቀረባት ብዘይ ምህላዉ፡ ንሓያሎ ዜጋታት ንሞትን ስቓይን ኣቓሊዑ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየት መዓልታዊ ኣብ መንጎ 450 ክሳብ 1200 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ህይወቶም ይሓልፉ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ። ቀንዲ ግዳያት ዝዀኑ ድማ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዃኖም ድማ እቲ ጽሑፍ ይጠቅስ። ነቲ ጎንጺ ደው ከብሉ ዓቕሚ ዝነበሮም ከም ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ካልኦት ጸለውቲ ሃገራት ከም ቻይና፡ ቱርኪ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ገና ዝዀነ ነገር ክገብሩ ዘይምኽኣሎም እቲ ጽሑፍ ይነቅፍ።

ኣስታት 149 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዎም ዘመልከተ ጸብጻብ ረፉጂስ ኢንተርናሽናል (Refugees International)፡ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኸም ሊብያን ካልእ መገዲን ኣቢሎም ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሳገሩ ደኣ ይጽንሑ እምበር፡ ሕጂ ግን እዚ ዕድል’ዚ ‘ውን ስለ ዝተዓጽወ ንዝኸፍአ ጸበባ ተገዲፎም ከም ዘለዉ የመልክት።

ንሓያሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት የዕቊበን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ብኤርትራ ድሕሪ ምድምሳሰን፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ዝበጽሑ ኣብቲ መዓስከር ተዓቝቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ መዓስከራት ዓዲ-ሓሩሽን ማይ-ዓይኒን ከም ዝገዓዙ ዘመልከተ ጸብጻብ፡ ኣብኡ’ውን ንተወሳኺ ጸበባን ስቓይን ምቅላዖም ይጠቅስ። ውሕስነት ክዀኖም ትጽቢት ዝገበሮ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክበጽሖም’ውን ብዘይ ምኽኣሉ፡ ኣደዳ መዝሓሊ ነድሪ በበይኖም ሓይልታት ምዃኖም ድማ ይውስኽ።

ኲናት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምውላዑ ንሱዳን ዝሃደሙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደኣ ይሃሉዉ እምበር፡ ኣብ ሱዳን ዝሰዓበ ቁጠባዊ ሕሰምን ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጽን ግን ውሕስነት ዘይህብ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ሱዳን ጽቡቕ ናይ ምቕባል ምልክት ደኣ ትሃብ እምበር፡ ብዙሓት በቲ ኲናት ዝተመዛበሉ ኢትዮጵውያን’ውን ኣብ በበይኑ መዓስከራት ንኸቢድ ጸገም ተቓሊዖም ኣለዉ። ነቲ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ስዒቡ፡ ብለገስቲ ሃገራት ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ’ውን ደው ስለ ዝብለ ንዅላቶም ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ መሪሑ ምህላዉ ድማ የምልክት።

እቲ ጸብጻብ ኣብ መደምደታኡ፡ ሽግር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣካል ዘይርጉእነት ኢትዮጵያ ስለ ዝዀነ፡ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ እቲ ጸገም ካብ ላዕሊ ክጅምር ኣመልኪቱ ኣሎ። ነተን ጸለውቲ ዝበለን ሃገራት ትካላትን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ክሰርሕ ጸቕጢ ክገብራሉን ተሓታትነት ንኽህሉ ምጽራይ ክግበር ድሕሪ ምጽዋዕን፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ተማሕጺኑ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ተራ ክጻወቱ ብዛዕባ ዝበሎም በበይኖም ኣካላት፡ ማለት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ከምኡ’ውን ጎረባብቲ ሃገራት ኬንያን ሱዳንን ብዛዕባ ክጻወተኦ ዝግበርአን ተራ ኣመልኪቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG