ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣውሮጳ ኣብ ሰ/ኣፍሪቃ መዓስከር ስደተኛታት ምምስራት ዝብል አጀንዳ ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ


ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ዥን ክላውደ ጃከር ሕብረት ኣውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምግታእ ኣብ ሃገራት ሰ/ኣፍሪቃ መዓስከር ስደተኛታት ምምስራት ዝብል አጀንዳ ከምዝሰረዞ ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጦም።

ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ቱርኪን ሃገራት ሰ/ኣፍሪቃ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ናብቲ ኣህጉር ዝውሕዙ ስደተኛታት ንምግታእ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ከምዘይተሰማምዑ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣውሮጳ ስደተኛታት ብባሕሪ ዝካየድ ሓደገኛ ጉዕዞ ከይፍጽሙ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ መዓስከር ስደተኛታት ምምስራት ዝብል ውጥን ቀሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

እንተኾነ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝረኸቦ ዘይዕጉብ ግብረ መልሲን ሕቶ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ሕጋዊነትን ተግባራዊነትን እቲ መደብ እቲ መደብ ምስራዙ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ገሊጾም።

ንሶም ኣብ ከተማ ቱኒዝ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር'ታ ሃገር ዮሱፍ ቻሃድ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ "ደጊም እቲ መደብ ተሰሪዙ'ዩ ካብ መጀመርያ'ውን ክውጠን ኣይነበሮን" ኢሎም።

XS
SM
MD
LG