ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣውሮጳ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ንዝፈጸመቶ ግፍዒ ተወሳኺ እገዳታት ንምንባር ሎሚ ይዘራረብ'ሎ


ከተማ ቡቻ
ከተማ ቡቻ

ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝተቖጻጸርወን ከተማታት ዩክሬን ግፍዒታት ምፍጻሞም ዘርእይ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኦም: ሕብረት ኣውሮጳ ሓደሽቲ እገዳታት ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ንምንባር ሎሚ ሰኑይ ከምዝዘራረብ ተገሊጹ።

ሓላፊ ፖሊሲ ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ሕብረት ኣውሮጳ "ኣብ ሩሲያ ተወሳኺ እገዳታት ብቕልጡፍ ክትግብር እዩ"ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም "ኣብ ከተማ ቡቻን ካልኦት ከተማታትን ዩክሬን ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ኣብ መሬት ኣውሮጳ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ዝርዝር ክምዝገብ እዩ" ኢሎም።

ቦረል ሕብረት ኣውሮጳ ዩክሬናዊያን ጠበቓታት መርትዖታት ገበናት ኵናት ንክእክቡ ሓገዝ ክገብረሎም እዩ ኢሎም ።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ሰንበት ሩሲያ ኣብ ዩክሬን ግፍዕታት ፈፂማ'ያ ኢሎም ።ንሶም ነዚ ዝገለፁ ወታሃደራት ሩሲያ ካብ ከተማ ቡቻ ድሕሪ ምውፅኦም ዓለም ኣብ ጎደናታት ዝወደቑ ሬሳታት ድሕሪ ምርኣያ እዩ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብዛዕባ እቶም ሬሳታት ፌስ ዘ ኔሽን (Face the Nation) ንዝተብሃለ ናይ ሲ.ቢ.ኤስ ቴሌቪዥን ፕሮግራም ከምዝገለፁዎ "ብሓቂ እዚ ምጽናት ዓሌት እዩ" ዩክሬን ብሓይልታት ሩሲያ "ተደምሲሳን ጠፊኣን እያ’’ ኢሎም።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እውን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ "ኣብ ከተማ ቡቻ ዩክሬን ተቐቲሎም ብዝተርኣዩ ስቪላት ሰንቢደ እየ።ናብ ተሓታትነት ዘምርሕ ነፃ ምርመራ ክግበር ኣገዳሲ እዩ"ኢሎም።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን እውን ከም ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ንምንባር ሕብረት ኣውሮጳ ክዳሎ ኣለዎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG