ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ 345 ሚልዮን ህዝቢ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ የጠንቅቕ


ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ደይቪድ ቢስሊ -ፍይል
ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ደይቪድ ቢስሊ -ፍይል

ብሰንኪ ኣብ ዩክሬን ዝተወለዐ ውግእ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ክሳብ 345 ሚልዮን ሰባት ድማ ናብ ኣንፈት ጥምየት የምርሑ ምህላዎም 70 ሚልዮን ህዝቢ ናብ ጥቃ ጥምየት ተጸጊዖም ኣለው ክብል ሕ/ሃ ኣጠንቂቁ።

ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ደይቪድ ቢስሊ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቅረብዎ ሪፖርት "ኣብ 45 ሃገራት ብሕጽረት ምግብና ዝሳቀዩ 50 ሚልዮን ህዝቢ ናብ ጥምየት ይጓዓዙ ምህላዎም ኣዝዩ ዘሻቅል እዩ" ኢሎም።

ንሶም ኣብ መግለጺኦም "ኣብ ሓደ እዋን መሸምበባ ጥምየት፣ ናብ ሱናሚ ጥምየት ኣትዮም ኣለው" ኢሎም። ይቅጽሉ ዘለው ውግኣት፣ ለበዳ ሕማምን ቁጠባዊ ውድቀትን ተደማሚሮም፣ ንማዕጾ ጥምየት የንኳሕኩሑ ኣለው ከምዝበሉ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ናይጀርያ፣ ደቡብ ሱዳንን የመንን ግጭት ዝመበገሲኡ ሕጽረት መግቢ ከምዝተራኣየ ብምጥቃስ ትኹረት ከምዝገብረሉ’ውን ገሊጹ'ሎ። ቢዝልይን ሓላፊ ትካል ሰብኣዊ ሓገዛት ማርቲን ግሪፍዝ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶማል ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው መግቢ'ውን ኣጠንቂቆም ኣለው።

ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን፣ ልዕሊ 13 ሚልዮን ህዝቢ ተጸበይቲ ሓገዝ ኮይኖም ከምዘለው ሚስተር ግሪፍዝ ሓቢሮም እዮም። ንሶም ንኩነተ ትግራይ አመልኪቱ ዝተካየደ ዳህሳስ ኣመልኪቶም ክገልጹ ከለው "89 ሚእታዊት ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም፣ ፍርቆም ድማ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ዘጓነፎም እዮም" ይብሉ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለምን መሻርኽቶምን፣ ሳላ’ቲ ዝሓለፈ መጋቢት ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ንኣስታት 5 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ምብጻሕ ኪኢሎም ከምዝነበሩን ብሰንኪ’ቲ ዳሕረዋይ ዝተወለዐ ግጭት ግና ብዙሓት ሰባት ንጥምየት ከቃልዖም ከምዝኽእል’ውን ሚስተር ቢዝልይ ንቤት ምኽሪ ሕ/ሃ ኣብሪሆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG